ከም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ፡ ኣብ ምምሕዳር/ከመንተ ናይመከን ገዛ ተዋሂቡካ`ዶ?
ኣብዚ መስርሕ ድማ ምምሕዳር/ከመንተ ከተማ ናይመኸን ይተሓጋገዘካ፡
> ካብ DUO (Dienst Uitvoering Onderwijs) ብዛዕባ ኢንበርኩሪን ዝምልከት ደብዳበ ይመጸካ። እዚ ደብዳቤ እዚ መደብ ኢንበርኩሪን ዝጅመረሉ ዕለት ይገልጽ፡ ካብዚ ምጅማር ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ፈተናታትካ ክትሓልፍ ኣለካ።
>ብመንገዲ ከመንተ `ናይ መእተዊ ሰፊሕ ምዝርራብ` ዝብል ናይ ዕድመ ወረቐት ይስደደልካ።
- ፈተና ድሕሪ ምውሳድ እንታይ ዓይነት ናይ ኢንበርኩሪን (መንገዲ) ከምትከታተል ይውሰነልካ፡
- ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ መጻኢ መደባትካን ውልቓዊ ኩነታትካን ዝምልከት ትዘራረብ። ብመንጽሩ ከመንተ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከምዝወሰድካ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ከምዘለካ፡ ከምእውን እንታይ ዓይነት ብልጫታትን ትሕዝቶታትን ከምዘለካ ይፍልጥ።
> ምስ ምምሕዳር/ከመንተ ናይመኸን ብዛዕባ ኢንበርኩሪን ተሳታፍነትን Plan Inburgering en Participatie (PIP) ተወሳኪ ቆጸራ ትገብር።
- እንታይ ዓይነት መንገዲ ትምህርትን ፈተናን ከምትገብር
- ከመይ ዝኣመሰሉ ዕላማታት ክትወቅዕ ወይ ክትሃርም ከምዘለካ፡ ንኣብነት (ወለንታዊ) ስራሕ ወይ ድማ ስሩዕ ትምህርቲ
>ንናይ ኢንበርኩሪን ግዴታ ንምፍጻም ቤት ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ባዕልካ ክትመርጽ ይግባእ።
> ካብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ናይ ትምህርቲ መንገድታት ክትክተል ትክእል።
- መንገዲ B1
- መስመር ትምህርቲ
- መንገዲ ዘት-Z
>እዚ ኮርስ ቋንቋ ዳችን ሕብረተሰባዊ ፍልጠት ሃገረ ነዘርላንድን (KNM) ዝሓቆፈ እዩ።
> ከመንተ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ዕድላትን ተሳታፍነትን ሞዱል de Module Arbeidsmarktparticipatie (MAP) ከምእውን ናይ ተሳታፍነት መርሓ Participatieverklaringstraject (PVT) ዝምልከት መብርሂ ይህብ።
> ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ድማ ኢንበርኩሪን ከምእውን MAP & PVT ክትውድኦ ይግባእ።
>ሽዑ ኣብ ከተማ ናይመኸን/ወይ ኣብ ሃገረ ነዘርላንድ ብግቡእ ነባሪ ኼንካ ንጥፈታትካ ትቕጽል ትክእል። ድሮ ስራሕ ረኺብካ ወይ ስራሕ ትደሊ ኣለኻ? ወይ ድማ ትምህርቲ ክትቅጽል ኢኻ ማለት እዩ።
ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ብምጥዋቅ ክርከብ ይኽእል Nijmegen.nl.
ናይ ገዛእ ርእስኻ መደባት ናይ ኢንበርኩሪን መደባት ብመንገዲ DUO.nl. ክግበር ክከኣል።
ብዛዕባ ኢንበርኩሪን ተወሳኺ ሕቶ ኣለካ`ዶ?
እዘን ዝስዕባ ትካላት ሓበሬታ ክህባኻ ይኽእላ እየን፥
- ምምሕዳር/ከመንተ ናይመኸን > ሕቶታትኩም ናብ ዳይረክተር ዓማዊልኩም ስደድዎ።
- DUO > ሕቶኹም ብመንገዲ ቅጥዒ ርክብ ቅጥዒ ስደዱ ወይ ድማ ብስልኪ ቁጽሪ: (050) 599 96 00 (ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ) ደውሉ።
- ንትካል ቭሉክተሊንገንወርክ ወርክ ንስደተኛ ዝሕግዝ ማሕበር ናይመኸን Vluchtelingenwerk Nijmegen > ሕቶታትኩም ናብ ማሕበራዊ ጉዳያት ተቖጻጻሪኹም ሕተቱ። ማሕበራዊ ተቖጻጻሪ የብልካን? ድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ናይመከን ዝርከብ ኣድራሻ፥ Ganzenheuvel 56 ናይመከን ምካድ ይከኣል።
ናይ ስራሕ ሰዓታት
- ሰኑይ: 13.00 – 15.00 ሰዓታት
- ረቡዕ: 10.00 – 12.00 ሰዓታት
- ሓሙስ: 13.00 – 15.00 ሰዓታት
ንሓበሬታ ብዛዕባ ፍሉይ ኩነታት ድማ: ኣብ FAQ – ኢንበርኩሪን ዝያዳ ምንባብ ይከኣል።