ትሑት ኣታዊ እንተ ሃሉይካ ናይ ክንክን ውሕስነት ክቡር’ዩ፣ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎ ገለ ብኸፊል ከም ዝኸፍል ዝግበር።እዚ ድማ Zorgtoeslag ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዝበዝሕ ግዜ VWN ኣብታ ገዛ ትወጸላ መዓልቲ ባዕሉ ይሓተልካ።ከም እንደ ገና እንድሕር ክትሓትት ዄንካ እዚ ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ከተማልእ ኣለካ፣

⇒ ዕድመኻ 18 ወይ ልዕሊኡ
⇒ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ክንክን ውሕስነት ክህልወካ ኣለዎ
⇒ ናይ መነበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ
⇒ ኣታዊኻ ትሑት ክኸውን ኣለዎ

Zorgtoeslag ንመን ይፍቐዶ?

ናይ ሓደ ሰብ ኣታዊ ኣብ ናቱ ዕድመ ይሙርኮስ Zorgtoeslag ይፍቐዶ ድዩ ኣይፍቀዶን ድማ ኣብኡ ይሙርኮስ።

⇒ ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብ ዝለዓለ €27.857 (2017)
⇒ ኣታዊ ምስ መጻምድኻ ዝለዓለ €35.116

ከምኡ’ውን ኣብ ባንክ ዘለካ ውሁልል ገንዘብ ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝውሕድ ክኸውን ኣለዎ፣

⇒ €107.752 ንዘይተመርዓወ
⇒ €132.752 ንሰብ ሓዳር

Zorgtoeslag ክንደይ’ዩ?

እቲ እትረኽቦ Zorgtoeslag ኣብ ናትካ ኣትዊ’ዩ ዝሙርኮስ ማለት ኣታዊኻ ብዙሕ እንተ ኾይኑ ብኡ መንጽር Zorgtoeslag ውሑድ ይኸውን።

በዚኣ ትስዕብ ወብሳይት ክንደይ ክትቕበል ከም እትኽእል ትፈልጥ

ኣብዚኣ ወብሳይት ርኢኻ ድማ ብገምጋም ክንደይ ክትቕበል ትኽእል ትግምግም

ምሕታትን ምቕያርን | Zorgtoeslag

ዝበዝሕ ግዜ VWN Zorgtoeslag ባዕሉ ይሓተልካ፣እንተ ደኣ ኣታዊ ተቀያዪሩ ኣብ ‘Mijn Toeslag’ ብDigId ኣቲኻ ክትቅይሮ ትኽእል፣እዚ እንተ ገርካ Zorgtoeslag ድማ ተቀይሩ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ብ ወብሳይት DigId Zorgtoeslag ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣ኣብዚ ክትረኻብ ትኽእል ን Zorgtoeslag ንኽትምዝገብ።

ኣብ ዝኾነ እዋን ናይታ ዓመት ዝመጽኣ ዘልዋ ኣዋርሕ Zorgtoeslag ክትሓትት ትኽእል እንድሕር ደኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ክትቕበሎ ደሊኻ ቅድሚ 1 መስከረም ክትሓትት ኣለካ።

መወሰኽታ፣
እንድሕር ደኣ Zorgtoeslag ብመንገዲ እንዳ VWN ተኻይዱ እቲ መስርሕ ዝቐልተፈ ይኸውን።