መሰረታዊ ናይ ውሕስነት ክንክን ዝበሃል ንኹሉ ክንክናት ኣይውክልን’ዩ ንኣብነት ከም በዓል ፊዚኦተራፒ፣ናይ ስኒ።ከምዚ ስለ ዝኾነ’ዩ ኸኣ ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ርእሲ’ቲ መሰረታዊ ናይ ውሕስነት ክንክን ተወሳኺ ናይ ክንክን ውሕስነት ዝኣቱ።እዚ ኸኣ ziektekostenverzekering’ ንጽውዖ። እዚ ተወሳኺ ናይ ውሕስነት ክንክን ኣብ ናይ ስኒ tandverzekering ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መሰረታዊ ናይ ውሕስነት ክንክን ንዝተፋላለየ ናይ ክንክናት ክሽፍነልካ ይኽእል ንኣብነት ከም በዓል ምብጻሕ ናይ ገዛ ሓኪምካ፣ናይ ክንክን ደቕኻ፣ንፍሉያትን (ኣብ ርእዚ እቲ ናይ ገንዘብ መድሕንካ) ግን ንኹሉ ኣይኮነን። ከምበዓል መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፣ፊዚኦተራፒ፣ናይ ተፈጥሮኣዊ ሕማም ፈውስታት። ብዙሓት ካልኦትን ፍሉይ ክንክን ዘድልዮምን ኣብ ናይ ተወሳኺ ክንክን ክትኣቱ ትኽእል።

ተወሳኺ ናይ ውሕስነት ክንክን | Aanvullende zorgverzekering

ተወሳኺ ናይ ውሕስንት ክክንክን ንኣብ መሰረታዊ ውሕስነት ክንክን ዘሎ የጠቃልል ፣ማለት እቲ ንኹሉ ሰብ ሓደ ዝኾነ መሰረታዊ ውሕስነት።ንኣብነት ፊዚኦተራፒ ወይ ድማ ብናይ ተፈጥራኣዊ ኣፈዋውሳ።ኣብ ናይ ተወሳኺ ውሕስነት ክንክን ናይ ዝተፈላልየ ክንክናት ክውክለልካ ዝኽእል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ፣ናይዚ ኸኣ ወርሓዊ ተወሳኺ ትኸፍል። ነዚ መርጻካዮ ዘለኻ ክንክን ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን Eigen risico ኣይትኸፍለሉን ኢኻ።ዝተፈላለያ ናይ ውሕስነት ዝህባ ትካላት ዝተፈላለየ ናይ ክንክን ይቅርባ።ነጻ ምርጫ’ዩ።ኣየናይ ተወሳኺ ናይ ክንክን የድልየካ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል። ኣብዚ ዓመት እንታይ ተጠቂምካን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ እንታይ ክትጥቀም ኣለካ ኣብ ግምት እንተ የእቲኻዮ ዝበለጸ’ዩ።

ውሕስነት ናይ ስኒ ክንክን | Tandverzekering

ናይ ስኒ ውሕስነት ንናይ ስኒ ዝኽፈል ይውክል፣ንኣብነት ቆጸራ ምስ ናይ ስኒ ሓኪም ምሓዝ፣ኩሉ ንናይ ስኒ ውሕስነት ዝተፈላለየ’ዩ ። እንበኣር ካብቲ ዝመረጽካዮ ውሕስነት’ዩ ዝሙርኮስ እቲ ወርሓዊ ትኸፍሎ።ዝበዝሕ ግዜ ናይ ዓመታዊ ዝለዓለ ናይ ስኒ ውሕስነት ካብ 250 ክሳብ 500 ኢውሮ ይበጽሕ።ሓደ ሓደ ናይ ውሕስነት ዝህባ ትካላት 25 ሚእታዊት ካብ ባዕልኽ ክትከፍሎ ኣለካ ይብላ።ብዛዕባ እዚ ጽቡቅ ገርካ ሓበሬታ ውሰድ!

ነጻ ንኽትመርጽ

ኣየናይ ናይ ተወሳኺ ውሕስነት የድልየካ እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ውሕስነት ትካላት ክኸውን ይኽእል።

ተወሳኺ፣
ኩሉ ግዜ ንዶክተር ወይ ድማ ናይ ሓኪም ስኒ ወይ ድማ እቲ ዝሕክመካ ዘሎ ካበይ ከም ዝኾነ እተቶ ካብ መሰረታዊ ክንክን ድዩ ወላስ ካብ ተወሳኺ ክንክን።ብከምዚ ኣገባብ ድማ ዝኾነ ዘይፈለጥካዮ ገንዘብ ክመጸካ ኣይክእልን!እንድሕር ደኣ እቲ ናይ  ሓኪም ስኒ ወይ ዝሓከመካ ዝኾነ ማዕዳ ሂብካ ከተተግብሮ ፈትን።

ተወሳኺ፣ Collectieve verzekering (CAZ)
ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን ናይ ኹሉ ጥርኑፍ ክንክን ኣለዎም (CAZ) ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም (ንኹሉ ኣታዉ ማለት’ዩ ከም ገንዘባዊ ሓገዝ፣ጥሮታ፣ studiefinanciering) ኣብ ናይ ክፍሊት መድሕንካ ቁሩብ ይሕጉዝኻ።

  • Online inschrijfformulier
  • ናይ CAZ ክትድውል ትኽእል ወይ ድማ ናብ ምምሕዳር ናብ ክፍሊ ክንክን ትኸይድ። (Ziekerstraat)
  • ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ VWN ወይ ድማ STIP ብጻሕ (VWN / STIP)