ገንዘባዊ ሓገዝ ከለካ ሰራሕ እንተ ረኺብካ ክትቅበሎ ኣለካ፣ካብዚ ገንዘባዊ ኣታዊ እንተረኺብካ ቀጥታ ናብ ምምሕዳር ክትሕብር ኣለካ። እዚ ስለምታይ ኮይኑ?እዚ እንታይ ዓይነት ለውጥታትን ጽልዋታት ኣብ ገንዘባዊ ሓገዝካ ኣለዎ?

ናይ ሓደ ግዜ ኣገልግሎተይ ሓደ ቅሩብ ገንዘብ ክህበኒ ደልዩ። ንምሳሌ ኣብ ሓደ ቦታ ዝኾነ ብምሕጋዘአይ፣እዚ ኣነ ክወስዶ ይኽእል ዶ?

ኣይግባእን፣ኩሉ እትእትዎ ንስኻ ትወስዶ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ናብ ምምሕዳር ይኸይድ፣እዚ ኣታዊ ዝገበርካዮ ካብቲ ዝመጽእ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝካ ይጎድል። እዚ ክትገብር ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት’ዩ። እዚ እንተ ዘይገርካ ኣብ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝካ ሳዕቤናት ከምጽኣልካ ይኽእል።

ንኣብነት፣ካብ ሓደ ብምኽንያት ስራሕ 25 ኤውሮ ምስ ትቅበል ናብ ምምሕዳር ክትሕብር ኣለካ፣ኣብ ዝመጽእ ወርሒ 25 ኤውሮ ካብ ገንዘባዊ ሓገዝካ ይጎድል፣ከምኡ’ውን መኪና እንተ ሸጥካ።

ምስ ምምሓድር ከተማን ቤ/ጽ ዕዮ ምምሕዳርን ብሓብር ክሰርሕ ኣለኒ። እዚ እንታይ የጠቃልል?

ኣብ ዝተዓደምካሉ ቆጸራ ምምጻእ። ዝኾነ ሓበሬታ፣ዶኩመንት ምምሕድር ከተማን ቤ/ጽ ዕዮ ምምሕዳር ኣብ ዝሓተቱካ ምምላስን ምሃብን። ከምዚ ብሙኻን ንጡፍ ከም ዘለኻ ትፍለጥ፣ነጺህካ ስራሕ ምድላይ እዚ ሕጊ ስራሕ ይበሃል። እዚ ታት እንተ ዘይገርካ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ሓገዝካ ከጉድሎ ወይ ጠጠው ከብሎ ይኽእል። ንምሳሌ ኣብ ወርሒ ምሉእ 100% ናብ ቆጸራ ኣይመጻእካን። ጠንቂ ናብ ቆጸራ ዘይመምጺእካ ድማ ብኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ክትመጽእ ኣይከኣልካን ስለዚ ንምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ ብመልክዕ ተሌፎን ወይ ኢመይል።

ወለንታዊ ስራሕ ክሰርሕ ደልየ፣ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ባዕሎም ይኸፍሉለይ። እዚ ኣብ ገንዘባዊ ሓገዘይ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ኣታዊ ዘይብለን ውድባት ወይ ንግዳዊ ዘይኮነ ሓገዝ እዩ። እዚ ስራሕ’ዚ ኸኣ ሓገዝ ነቲ ሕብረተሰብ’ዩ። ወለንታዊ ስራሕ ትሰርሕ እንተ ኼንካ ንእትገብሮ ወጻኢታት ክኸፍሉኻ ይኽእሉ እዚ ኸኣ ክሳብ 95 ኣብ ወርሒ 764 ኣብ ዓመት ክትወስድ ትኽእል። ኲሉ ግዜ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ኣብ ዝደለኻሉ ንምምሕዳር ከተማ ፍቃድ ክትሓትት ኣለካ።

ጎኒ ጎኒ ገንዘባዊ ሓገዘይ ገለ ገንዘብ ሰሪሐ ክእቱ ይኽእል ዶ? ወይ ኩሉ ዘእተኹዎ ናብ ምምሕዳር ከረክቦ ኣለኒ?

እኹል ኣታዊ እንተዘይብልካ ነብስኻ ንኽትኣሊ እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ uitkering ትረክብ ማለት’ዩ። ገለ ክፋል ኣታዊ እንተ ኣለካ እቲ ዝተረፈ ከኣ ካብ ገንዘባዊ ሓገዝ ትረኽቦ። ኩሉ ክሰርሕ ዝኽእል ክሰርሕ ኣለዎ።ገንዘባዊ ሓገዝ ከለካ ብኸፊል ትሰርሕ እንተ ኼንካ ሓደ ሓደ እዋን ብላዕሊ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ክንደይ’ዩ ኣብ ናትካ ኩነታት’ዩ ዝሙርከስ። ገለ ኣብነታት ክንርኢ ኢና።

ወዲ 26 ዓመት’የ ኣብ ልዕሊ ገንዘባዊ ሓገዘይ ሰሪሐ ገንዘብ ክእቱ ይፍቀደኒ ዶ?

ኣይፍቀድን፣መግስቲ ንትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ክሳብ 26 ዓመት ብዝያዳ ኣብ ትምህርቲ ክጸቅጡ ብምባል ንከምዘይፍቀድ ዝወሰኖ።ስለዚ ኣብ መበል 27 ዕድመኻ ኣብ ልዕሊ ገንዘባዊ ሓገዝካ ክትእቱ ዝፈቀድ።ገንዘብ ትእቱ ኣለኻ? ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ።ልክዕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ እተን ዘእተኻየን ካብ ገንዘባዊ ሓገዝካ ይቁረጽ።

ወዲ 28 ዓምት’የ ብሕጋዊ ገለ ክፋል ኽእቱ ደልየ፣ ቆልዑት የብለይን። ክንደይ ዝኣክል ኽእቱ ይኽእል?

ወዲ 27 ወይ ልዕሊኡ ኼንካ ኣብ ናይመኸን ትቅመጥ ኣታዊ ክትእቱ ትኽእል ኣብ ግዝያዊ ስራሕ? ሕጋዊ ስራሕ? ካብቲ ኣታዊኻ 25% ዝለዓለ ክሳብ 200 ክትዕቅቦ ትኽእል ካብ ትመጽእ ወርሒማለት’ዩ።እዚ ኸኣ ክሳብ 6 ግዜ ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ ኣብ ትሕቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ከለኻ።

ንምሳሌ
ሳመር ወዲ 29 ዓመት ኣይተመርዓወን ፡ቆልዓ ውን የብሉን። ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ይወስድ። ኣብ ወርሒ 500 ካብ ስርሑ ይቅበል፣ብጠቅላላ ሳመር ሽዱሽተ ግዜ 25% ካብቲ 500 ብላዕሊ ክእቱ ይኽእል። ስለዚ ሳመር ሽዱሽተ ግዜ 125 ክወስድ ይኽእል።

ወዲ 27 ዓመት ወይ ልዕሊኡ በይነይ ኮይነ ንትሕቲ 12 ዓመት ቆልዓ ይኣሊ ኣነ ስራሕ ኣለኒ ኣለኒ። እቲ ሕጊ ልክዕ ከም ቆልዓ ዘይብለይ ይምልከተኒ ማለት ድዩ?

እንድሕር ደኣ፡

  • 27 ዓመት ንላዕሊ ኼንካ
  • በይንኻ ወላዲ ዲኻ
  • ንትሕቲ 12 ዓመት ቆልዓ ትኣሊ ኣለኻ

dan houdt de gemeente de eerste zes keer 75% van wat u verdient in op uw uitkering. Deze maanden hoeven niet aaneengesloten te zijn. U mag maximaal zes keer 200,- euro per maand extra overhouden.