DigId እንታይ እዩ?ከመይ ጌረ ይጥቀመሉ? DigId ክዝርጋሕ ከሎ ዲጂታላዊ መለለዬ ማለት’ዩ።ኣብዚ እዋን እዚ ዜጋታት ዝተፈላለየ ናይ መንግስቲ ጉዳያት ብonline ከሳልጡ ይኽእሉ።ናይ ገዛእ ርእስኻ ክትጥቐም DigId code ተጠቀም፣ብኡ መልክዕ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ወብሳይታት ክትኣቱ ትኽእል፣ንኣብነት፣ወብሳይት ናይ overheid,ናይ ኸመንተን ናይ ቐረጽን (Toeslagen), DUO, ናይ ውሕስነት ክንክን፣ብከምዚ ድማ እተን ውድባት ብ online ነቲ ጉዳያት ሰሪዕካዮ ከም ዘለኻ የረጋግጻ።

ኩሉ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ BSN ዘለዎ ኣብ እንዳ ምምሕዳር ተመዝገበ ፣ናይ DigId ምእተዊ ኮድ ክሓትት ይኽእል፣ክንደይ ዕድመ ብዘየገድስ፣

ወብሳይት ምስ ብዙሕ ሓበሬታ

ዝያዳ መግለጺን ሓበሬታ ብዛዕባ DigId  ኣብዚ ወብሳይት ክትረኽቦ ኢኻ፣ኩሉ ሓብሬታ ኣብ DigId ዝርከብ ማለት’ዩ።
Nederlands
Engels
Frans
Arabisch 

DigiD website

ኣብዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ይርከብ ብዛዕባ፣

⇒ DigId እንታይ’ዩ?
⇒ ከመይ ይሰርሕ?
⇒ ከመይ ጌረ DigId ይሓትት?
⇒ ከመይ ጌረ ብDigId ይኣቱ?
⇒ ከመይ ጌረ ብውሑስ መንገዲ DigId ይጥቀም?
⇒ ብDigId እንታይ ክገብር ይእኽል? 

ብDigId እንታይ ክገብር ይእኽል?

⇒ ኣብ ወብሳይት Mijn Overheid ምእታው ዝተፈላለየ ነገራት ክትገብር ትኽእል
⇒ Toeslagen ምስራዕ፣ንኣብነት zorgtoeslag, huurtoeslag: “Mijn Toeslagen
⇒ ናይ ዓመታዊ ቀረጽ belastingaangifte doen (Teruggave፣ንኽምለሰካ ማለት’ዩ) belastingaangifte 
⇒ Aangifte doen bij de politie 
⇒ ኣብ DUO ምእታው ንኣብነት studiefinanciering ክትሓትት እንተ ደሊኻ studiefinanciering 
⇒ ንሕክምናዊ ፍቃድ ክትህብ እንተ ደሊኻ ማለት ናይ ዝሓለፈ ሓበሬታ ንኽርእዮ።

DigiD – Gebruikersnaam ወይ wachtwoord ረሲዕካዮ?

DigId ናትካ ምስጢር’ዩ፣ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ዝኾነ ሰብ ኮድ ድዩ ካልእ  እንተ ጠፊእካ ክሕዘካ ዘይክእል፣እንድሕር ደኣ ናይ መእተዊኻ ጠፊእካ እዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣለካ።

⇒ ንጡፍ ዝኾነ ኣካውንት ድዩ ኔርካ?
እንድሕር ደኣ gebruikersnaam ትፈልጦ ዄንካ paswoord ጥራይ ረሲዕካዮ፣ኣብ wachtwoord veranderen. ዝብል ክትቕይሮ ትኽእል፣እዚ ክትገብር ግን gebruikersnaam en BSN የድልየካ።.

⇒ ንዝነበረትካ ንጡፍ ኣይገበርካያን ከምኡ’ውን gebruikersnaam ናትካ ረሲዕካዮ? ብጠቅላላ ከም ብሓድሽ DigId ክትሓትት ኣለካ፣እዚ ከኣ 3 መዓልታት ናይ ስራሕ ይወስድ ቅድሚ activatiecode  ደብዳቤ ምቅባልካ። DigiD aanvragen

ኣስተውዕል፥
⇒ Wachtwoord ናትካ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቀምጦ፣ uwDIGID-gebruikersnaam en wachtwoord ፈጺምካ ንዝኾነ ሰብ ኣይትሃብ።
⇒ ውሑስን ብቐሊሉ ትዝክሮን ዝበልካዮ wachtwoord ምረጽ።
⇒ እንድሕር ደኣ ካልኦት ሰባት ክሕግዙኻ ኮይኖም ንኣብነት ካብ VWN ፍቃድ ክትህቦም ኣለካ፣ኸፊቶም ንኽሕግዙኻ ፍቓድ ትህብ ኣለኻ ማለት’ዩ፣እዚ ኸኣ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ኣለካ፣ een machtiging.

ብዙሕ ዝተሓተተ ሕቶታት መልስን ኣብዚ ወብሳይት ናይ website van DigiD