ኣታዊኻ ትሑት እንተ ኾይኑ ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን ፍሉይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፣ ዝተፈላለዩ ናይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣለዉ ኮርስ፣ ስፖርት (Meedoen-regeling) ከምኡ፣ ውን ንወጻኢታት ደቕኻ (stichting Leergeld)። እንተ ደኣ ልዕሊ 3 ዓመት ትሑት ኣታዊ ኣለካ ተወሳኺ inkomenstoeslag ካብ ምምሕዳር ክትረክብ ትኽእል።

Meedoen-regeling | ገንዘብ ናይ ስፖርት ወይ ኮርስ መስዓቢ

 

ምስኣል፣ ኩዕሶ-እግሪ፣ ቮሊቦል፣ ሳዕሲዒት…እንድሕር ደኣ ትሑት ኣታዊ ኣለካ ዝኾነ ንጥፈታት ወይ ኮርስ ክትገብር ደሊኻ ገለ ክፋል ናይ እቲ ዋጋ ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን ክሕግዘካ ይኽእል፣ እዚ ኸኣ Meedoen-regeling ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ካብ 1 ጥሪ 2018 Meedoen-regeling ክትሓትት ትኽእል። እቲ ክለብ ወይ ባህላዊ ውድብ ንስኻ ኣብኡ ገለ ትነጥፍ ስለ ዘለኻ ብቐጥታ ካብ ምምሕዳር እቲ ገንዘብ ይቕበሎ። እቲ ክኸፍለልካ ዝኽእል መጠን ገንዘብ ዝለዓለ ክሳብ 150 ኤውሮ። ስለዚ ባዕልኻ ትከፍሎ ኣይኮነን።

ምሕታት Meedoen-regeling

ከመይ ጌርካ ነዚ ትጥቐመሉ?

ኣብ ሓደ ውድብ ንዓኻ ደስ ዝብለካ ዓይነት ስፖርት ምረጽ

ኣብዚ ርአ ቕጥዕታት ናይ Meedoen-regeling

ኣስተውዕል፣

⇒ ካብ 150 ንታሕቲ’ዩ? እቲ ተረፍ ይምለስ
⇒ ካብ 150 ንላዕሊ’ዩ?እቲ ተወሳኺ ገንዘብ ነታ ክለብ ወይ ውድብ ባዕልኻ ትኸፍላ
⇒ እንድሕር ደኣ ነቲ ንጥፈት ዘይወዲእካዮ፣ ገንዘብ ኣይምለሰካን’ዩ

ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ምምሕዳር ወብሳይት Meedoen-regeling ክትሓትት ትኽእል። ኣብ ውሽጢ 8 ሳምንታት ምሳነ ዝሓዘት ካብ ምምሕዳር ክትቕበል ኢኻ። ናብቲ ዘድልየካ ውድብ ባዕልኻ ትምዝገብ።

ምሳኻ ክትማልኦ ዘለኻ፣

⇒ ኦርጅናል ደብዳቤ ካብ ምምሕዳር ዝተቐበልካያ
⇒ ID መንነትካ

De club mag de originele brief houden. Maak daarom een kopie voor uw eigen administratie. U kunt nu sporten of de cursus volgen. De gemeente betaalt het geld direct aan de organisatie.

እታ ክለብ ነቲ ኦርጅናል ደብዳቤ ክትሕዞ ትኽእል፣ ስለዚ ንገዛእ ርእሽኻ ኮፒ ክግበር፣ ሕጂ ስፖርት ወይ ኮርስ ክትወስድ ትኽእል፣ ምምሕዳር ብቐጥታ ነታ ውድብ ይኸፍላ፣ ኣብ ምምራጽ፣ ምሕታት ሓገዝ ኣድልይካ?ዝሕግዘካ ዝኾነ ሕተት፣ ንኣብነት ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ STIP

Let op:
⇒  Kost het minder dan € 150,-? Dan vervalt de rest van het bedrag.
⇒  Kost het meer dan € 150,-? Dan moet u zelf het extra geld betalen aan de club of organisatie.
⇒  Als u de cursus niet afmaakt of het tegoed niet opmaakt, krijgt u géén geld terug.

Stichting Leergeld Nijmegen | Financiële hulp voor kinderen

ኣብ ናይመኸን ትቕመጥ ኣታዊኻ ትሑት’ዩ? ካብ 4-17 ዝዕድሚኡ ቖልዓ ኣለካ?ካብ ውድባት ናይ Leergeld ምናልባት ተመላስ ገንዘብ ንናይ ትምህርቲ፣ ስፖርት፣ ኮርስ ወይ ምሕንባስ ትምህርቲ፣ ወይ ድማ ንዕኡ ዘድልየካ መሳርሒታት።

ውድብ Leergeld ክሕግዘካ ይኽእል’ዶ? ኣብዚ ዝስዕብ ወብሳይት ተዓዘብ?

⇒ ዕዳ እንተ ኣለካ፣ ካብ Leergeld ንደቅኻ ንትምህርቲ ወይ ንክለብ መኽፈሊ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ።
⇒ Leergeld ብቐጥታ’ዩ ነቲ ትምህርቲ ወይ ክለብ ይኸፍሎ፣ ኣብ ናትካ ባንክ ኣይኮነን ዝሰደልካ።
⇒ Leergeld ዝለዓለ ክሳብ 225 ኤውሮ ንነፍሲ ወክፍ ቖልዓ ይኸፍል፣ ካብኡ ንላዕሊ እንተ ኾይኑ እቲ ተወሳኺ ባዕልኻ ትኸፍሎ።
⇒ እቲ ኣበርክቶ ካብ 200 ኤውሮ ንታሕቲ እንተ ኾይኑ፣ እቲ ተረፍ ገንዘብ ኣብቲ ክለብ መጻወቲ ዘድልዮ ክዳን፣ ጫማ ከተውጽኦ ትኽእል። ነዚ ኸኣ ችክ ብምቕባል ኣብ ፍሉያት ዱኳን ክትገዝኣሉ ትኽእል ኢኻ።

ምሕንባስ

ኣብ ምሕንባስ ፍሉይ ሕጊ’ዩ ዘሎ,ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ማይ ኣሎ ስለዚ ንውሕስነት ኩሉም ቖልዑት ምሕንባስ ክኽእሉ ኣለዎም። ስለዚ ቖልዑት ብትሑት ዋጋ ምሕንባስ ክምሃሩ ይኽእሉ። ነዚ ድማ ካብ ናይ ስፖርት ባጀት ክትጥቀመሉ ትኽእል፣ ከምኡ’ውን ፍሉይ ንመምሃሪ ምሕባስ ካብ ውድብ Leergeld ክትሓትት ትኽእል።

እዚ ሓገዝ ሰርትፊከት ናይ ምሕንባስ A ዘይብሎም ካብ 7 ክሳብ 13 ዝዕድሚኦም እዩ ዝግባእ። እዚ A ሰርትፊከት ዝበሃል ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ክትሕንብስ እንተ ደሊኻ እዚ ክህልወካ ኣለዎ። ነዚ A ሰርቲፊከት ንክትወስድ ውድብ Leergeld ክልተ ግዜ 225 ኤውሮ ክኸፍለልካ ይኽእል።

እዚ ሓገዝ ናይ ምሕንባስ ተወሳኺ’ዩ፣ ውላድካ ነዚ ነዚ ዝተባህለ ሓገዝ ይቅበል እንተ ደኣ ኣሎ ኣብ ጎኑ ውን sport budget ክጥቐም ይእኽል ኣብ ላዕሊ ተዓዘብ።

ምሕታት

1. እንድሕር ደኣ ነዚ ናይ Leergeld ክትጥቐመሉ ደሊኻ ምስ stichting Leergeld ርክብ ግበር: contact op met Stichting Leergeld.
2. ድሕሪ ርክብ ምግባርካ 2-4 ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ቆጸራ ንኽትሕዝ ክድወለካ’ዩ።
3. ምእካብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣታዊኻ።
4. ውላድካ እንታይ ከም ዝደሊ ኣለሊ፣ ንኣብነት እንታይ ዓይነት ስፖርት።
5. ሓደ ካብ ውድብ Leergeld ክመጸካ’ዩ ኣብ ግዜ ዝርርብ ድማ እንታይ መሰል ኣለካ ክትዘራረቡ ኢኹም፣ እንድሕር ደኣ ውድብ Leergeld ሕቶኻ ተቀቢልዎ ንሓገዝ ክትሓትት ትኻል ኢኻ።

እዚ ኣጸጋሚ’ዩ ንዓኻ ወይ ሕቶ ኣለካ?
ናብ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ STIP ብጻሕ ሰራሕተኛታት ናይ STIP ርክብ ኣብ ምግባር ምስ ውድብ Leergeld ክሕግዙኻ እዮም።

Individuele inkomenstoeslag |ፋይናንሳዊ ሓገዝ ነዊሕ ግዜ ትሑት ኣታዊ እንተ ሃሉይካ

ካብ 3 ዓመት ንላዕሊ ትሑት ኣታዊ ኣለካ?ካብ ምምሕዳር ናይመኸን ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክትረክ ትኽእል፣ እቲ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣብ ናትካ ዕብየት ስድራ፣ ክንደይ መዋህለሊ ኣለካ፣ ኩነታት ናብራኻን ይሙርኮስ።

ኣስተውዕል፣
እዚ ተወሳኺ ሓገዝ ትረኽቦ እንድሕር ዝኾነ ሞያ ትምሃር እንተ ዘይሃሊኻ ጥራይ’ዩ ወይ ድማ ኣብ እዚ 36 ኣዋርሕ ዝኾነ ትምህርቲ እንተ ዘይወዲእካ።
እዚ ተወሳኺ ሓገዝ ትረኽቦ ስራሕ ወይ ኣታዊኻ ናይ ብሓቂ እንተ ዘይሰሊጥካ ጥራይ’ዩ።

ምሕታት individuele inkomenstoeslag

እዚ እምልከተኒ ኢልካ እንተ ሓሲብካ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ንምምሕዳር ክትሓትት ትኽእል።

እዚ ኣጸጋሚ’ዩ ንዓኻ ወይ ሕቶ ኣለካ?
ናብ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ STIP ብጻሕ ሰራሕተኛታት ናይ STIP ርክብ ኣብ ምግባር ምስ ውድብ Leergeld ክሕግዙኻ እዮም።