Inburgering -nመስመር ትምህርቲ
ኢንበርኩሪን ምስ ወዳእካ፡ ዕድሜካ ትሕቲ 30 ዓመት ምስ ዝከውን ክትመሃር ትደሊ`ዶ? እዚ ምስ ዝከውን ንናይ ትምህርቲ መስመር ክትክተል ትኽእል። ኣብ ናይ ቋንቋ መስመር ድማ እንተወሓደ ብደረጃ B1 ምንባብ፡ ምስማዕ፡ ምዝራብን ምጽሓፍን ክህልወካ ይግባእ። ብተወሳኺ ንMBO, HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ክትዳሎ ትክእልን ብእንግሊዝኛ፡ ስነ-ቁጽሪን እውን ትመሃር። ኣብ ብተወሳኺ ብዛዕባ ፍልጠት ሕብረተሰብ ነዘርላንድ (KNM) ኮርስን፡ ናይ ሞያ መርሓ ኮርስ ‘Career Orientation’ ድማ ኣብ ክንዲ ናይ ስራሕ ሱታፌ ሞዱል Module Arbeidsmarkt en Participatie (MAP) ትወስዶ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኮርስ መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ትከታተል።
ድሕሪ ኢንበርኩሪ ምውዳእካ፡ ብዛዕባ ተክእሎ ተወሳኪ ትምህርቲ ዝያዳ ክትፈልጡ ትደልዩ ዶ?
ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ምስግጋር መደብ (taalschakeltraject) ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ክህልዉ ዝኽእሉ ሞያታትን መደባት ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ናይ ሞያ መርሓ ኮርስ ‘Career orientation’ ክትረክቦ ይከኣል።
ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ድማ ኣብ ትሕቲ ‘ትምህርቲ ኣብ ሃገረ ነዘርላንድ’ ዝብል ኣርእስቲ ክትረክቦ ይከኣል።
መስመር ምዝዛም ትምህርቲ ፤
እዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ክትወስድ ኣለካ፤
- ንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ምዝራብን ምስማዕን > ፈተና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ B1
- ፈተና KNM
ናይ PVT ኮርስ ንምዝዛም ነቲ ናይ ተሳትፎ መግለጺ ክትፍርም ይግባእ።
ኩሉ ክፋላት/ዓይነታት ብዓወት ዛዚምካዩ` ዲኻ?
ናይ ኢንበርኩሪን ግዴታኻ እንተደኣ ሓሊፍካ! ብዛዕባ ዲፕሎማ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ምንባብ ይከኣል።