ፈተናታት ብደረጃ ቋንቋ B1 & B2 ፥
ደረጃ ቋንቋ B1 ብመንገዲ ስታት ኢግዛማ ቁጽሪ 1 (Staatsexamen NT Programma I) ይፍተን። እዚ ፈተና ድማ ኣብ mbo-3ን -4ን ደረጃ ክሰርሑ ወይ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ እዩ።
ደረጃ ቋንቋ B2 ብመንገዲ ኤን-ተ-ትቨይ (NT2 ፕሮግራም ቁጽሪ 2) ይፍተን። እዚ ፈተና ብደረጃ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክሰርሑ ወይ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ እዩ።
ብዛዕባ ስታት ኢግዛማ Staatsexamensnt2.nl ሙሉእ ሓበሬታን ብዛዕባ እዞም ፈተናታት ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ንፈተናታት ከተመልክቱ ትደልዩ ዶ? ድሕሪኡ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ብጥንቃቐ ኣንብበን!
- ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ክሳብ 5 ናይ ኣጋምሸት ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
- ናይ ፈተና ሮስተር ድማ ንፕሮግራም መደብ ፈተና ቁጽሪ 1ን 2ን መዓስ ከም ዝኾኑ ክሕብሩኻ እዮም።
- ቅድሚ ዕለት ፈተና ኣቀዲምኩም 8 ሰሙን ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
- ንነፍሲ ወከፍ ዓይነት ፈተና ብምንጻር ክትምዝገቡ ኣለኩም፡ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ምዝራብን ምስማዕን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣለዎም።
- ኮምፒተር ወይ ላፕቶፕ ተጠቒምካ ምምዝጋብ ዝበለጸ እዩ። (ታብሌት ወይ ሞባይል ኣይትጠቐሙ)።
- ድሮ ንፈተና ተመዝጊብካ ዲኻ ወይስ ውጽኢት ትጽበ ኣለኻ? ሽዑ ነዚ ዓይነታት ፈተና ክትምዝገቡ ኣይትኽእሉን።
- ንስታት ኢግዛማ ቁጽሪ 1 ከምእውን 2 ክትምዝገቡ ምስ ትደልዩ ናብ መርበብ ሓበሬታ DUO ምውካስ ይከኣል።
ካብዞም ዝስዕቡ ናይ ፈተና ነቁጣታት ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም፡
ኣምስተርዳም (Amsterdam)፡ ኣይንድሆቨን (Eidnhoven)፡ ሪይስቫይክ (Rijswijk)፡ ሮተርዳም (Rotterdam)፡ ኢትረኽት (Utrecht) ወይ ዝቮለ (Zwolle)።
ድሕሪ ምዝገባ ብመንገዲ ኢ-መይልኩም ከምዝተመዝገብኹም መረጋገጺ ሰነድ ክመጸኩም እዩ።