ኢበርኩሪን – ፕሮግራም ፐይ-ቨ-ተ (PVT)
ተሳትፎ መግለጺ ትራጀክቶሪ (PVT) ኣካል ናይ ኢንበርኩሪን /ስቪካዊ ውህደት እዩ። ብዛዕባ ኣገደስቲ ክብርታት ሃገረ ነዘርላንድ ከም ናጽነት፡ ማዕርነት፡ ምትሕግጋዝን ተሳትፎን ትምሃር። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ናይ PVT ወረቀት ናይ ተሳትፎ ኣዋጅ ክታምካ ተንበር፡ ብድሕሪኡ ዝኮነ እትገብሮ ፈተና የብልካን።
በዛ ቪድዮ ድማ ቀንዲ ክብርታት ሃገረ ነዘርላንድ ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ቤት ጽሕፈት ቫይላንድ Bureau Wijland ኣብ ከተማ ናይመከን ንፐይ-ቨ-ተ ዝኸውን ኣኼባታት የዳሉ፡ ብመጽሩ እቲ ከመንተ በዚ ይምዝግበካ። ካብ ከመንተ ዝለኣከልኩም ደብዳበ ብዛዕባ PVT ብቀሊል ክትርእዩ ክትውከሶ ይክእል። ናይ ኣኼባታት ዕድመ ካብ ቤት ጽሕፈት ቫይላንድ ድሒሩ ክመጸኩም እዩ። ኣርባዕተ ኣኼባታት ኣሎ፡ ጉጅለኹም ካብ 10 ክሳብ 20 ተሳተፍቲ ዝሓቖፈት ኮይና፡ ምስኦም ብንጥፈት ክትተሓባበሩ ትክእሉ። ብዛዕባ ‘ማሕበራዊ ካርታ’ ከተማ ናይመከን እውን ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም። ስለዚ፡ ከም ነባሪ ከተማ ናይመከን ኣየኖት ትካላት ክድግፉኻ ከም ዝኽእሉ ክትፈልጥ ትክእል፡ ከምኡ’ውን ባዕልኻ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት እታ ከተማ ብኸመይ መንገዲ ክትሳተፍ ከም እትኽእልን፡ድ ካብዚ ሓልፉ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሕቶታት ንዛረብ: ንኣብነት፥ ኣነ መን እየ? ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እንታይ ክበጽሕ እደሊ? ብኸመይ’እየ ነዚ ክበጽሖ ዝክእል? ምስታ ጉጅለ ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ትለዋወጥ።
እቲ መደብ፡ ኣብ ‘ማሕበራዊ ካርታ’ ከተማ ናይመከን ኣብ ዝርከብ ከም ቤተ መዘክር ዝኣመሰለ ቦታ ዑደት ምግባር’ውን ይዛዝም። ኣብ ናይ ጃልባ ጉዕዞ ድማ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ከተማ ናይመከን መግለጺ ይወሃብ ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ናብ ኣዳራሽ ከተማ ብምካድ ኣብኡ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ከባብያዊ ፖለቲካን ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሕረ ባይታን ይነግረካ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ናይ ተሳትፎ መግለጺ ትፍርም።