ኢንበርኩሪን ኣብ ኣ–ዘ–ሰ ናይመከን AZC Nijmegen:
መንበሪ ፍቓድ ኣለካዶ ወይ ድማ ኣብ ናይ ስደተኛ መዕቆቢ ኣ-ዘ-ሰ AZC Nijmegen ዲካ ትቅመጥ?
ኣብ ኣ-ዘ-ሰ AZC Nijmegen ከለካ ኣቀዲምካ እቲ ናይ ስቪካዊ ምውህሃድ ዝጠቅመካ ነገራት ምድላውት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ መንገዲ ድማ ኣብ ሃገረ ነዘርላንድ ጹቡቅ ክስመዓካን፡ ብዝቀለለ መንገዲ ድማ ናብ ማሕበራዊ ሂወት ተሳታፊ ከምትኸውን ይገብረካ።
> ኣብ (ቅድመ) ቮር-ኢንበርኩሪን Voorinburgering ፕሮግራም ትከታተል፡ እዚ መደብ ድማ ብመንገዲ ኩዋ (COA) ይትግበር።
- ብቋንቋ ዳች ትምህርቲ ትረክብ፡ ብወግዓዊ መምህር ብድምር 115 ሰዓታት ትመሃር።
- ብዛዕባ ሕብረተሰብ ነዘርላንድን ዕዳጋ ስራሕን ትመሃር።
- ምስ ናይ COA ጉዳይ-ፈጻሚ ሰብ ብዛዕባ ስራሕካ፡ ኢንበርኩሪን ከምእውን መጻኢ መደባትካን ትዛረብ። ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ትምህርትኻ፣ ተመኩሮ ስራሕካን ካልእ ኣብ ነዘርላንድ ንስራሕ (ወለንታዊ) ክትጥቀመሉ እትኽእል ጠቓሚ ተመኩሮን እውን ትዛረብ።
- ኩሉ እቲ ሓበሬታ ድማ ኣብ ፋይልካ ይተሓዝ፡ COA ነዚ ፋይል ናብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር/ከመንተ የረክቦ። ብድሕሪኡ ናይ መስርሕ ኢንበርኩሪን ክትቅጽል።
ተስፋ ዘለዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘለካ ሓታቲ ዑቕባ ዲኻ?
ከምኡ ምስ ዝኸውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣ-ዘ-ሰ ናይመኸን AZC Nijmegen ዝወሃብ ናይ ዳች ቋንቋ ትምህርቲ ንሓተትቲ ዑቕባ lessen Nederlands voor asielzoekers ክትከታተል ይከኣል`ዩ። ብሓደ ወግዓዊ መምህር ብድምር 24 ሰዓታት ኮይኑ: ኣብ ሰሙን 6 ሰዓታት: ንኣስታት 4 ሰሙን ይቅጽል፡ መንበሪ ፍቓድ እንተረኺብኩም፡ መደብ ቅድመ-ኢንበርኩሪን ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።