ትምህርቲ ኢንበርኩሪን ኣብ ከተማ ናይመኸን ዝርከባ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርታት፡
ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚርካ፡ ናይ ኢንበርኩሪን (ሲቪካዊ ውህደት ግዴታ) ክትመሃር ኣለካ ድዩ? ምምሕዳር/ከመንተ ድማ እንታይ ዓይነት ናይ ኢንበርኩሪን ትምህርቲ ከምዝምልከተካ ዝውስን፡ ብኡ መሰረት ድማ ንዓኻ ዝኸውን ወይ ዝበቅዕ ትምህርቲ ይወሃበካ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ድማ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ናይ ትምህርቲ መንገድታት ምክታል ይከኣል።
- መንገዲ B1
- መስመር ትምህርቲ
- መንገዲ ዘት-Z
እዚ ኮርስ ቋንቋ ዳችን ሕብረተሰባዊ ፍልጠት ሃገረ ነዘርላንድን (KNM) ዝሓቆፈ እዩ።
ናይ ኤምበርኩሪ ትምህርቲ ድማ ካብዘን ሲዒበን ብቅድመ-ተኸተል ተዘርዚረን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ንምክትታት ይከኣል። ብቅዓት እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ብመንገዲ ብሊክ ኦፕ ወርክ Blik op Werk ተቐባልነት ዝረኸበ`ዩ።
- ኤ-ክት ነዘርላንድስ Echt Nederlands
- ሃን ናይ ቋንቋ ማእከል HAN Talencentrum
- ሃርሞኖ ቋንቋን ባህልን Harmonie Taal & Cultuur
- ነዘርላንድ ደ-ባስ Nederlands de baas
- ራድዋት ዩኒቨርሲቲ ዓለምለካዊ ቋንቋታት Radboud In’to Languages
- ኣሮሰ ናይመኸን ROC – Nijmegen
- ስተፕስ ኢንበርኩሪን STEP -inburgering
- ተሉፕ ትረይንን Tulp Training
ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ`ዶ? ወይ ድማ ኩነታትትካ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢንበርኩሪን ሕጊ ዓመተ-2013 ድዩ ዝተኣሳሰር? ንናይ ኢንበርኩሪን ግዴታ ንምፍጻም ካብ DUO ገንዘብ ክትልቃሕ ትደሊ ዲኻ? ኣስዒብካ ካብዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ክትመርጽ ይከኣል ።
ብዛዕባ ሲቪካዊ ውህደት (ኢንበርኩሪን) ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ‘ውህደት’ ክርከብ ይከኣል።