Category: Uncategorized

التطعيم ضد كورونا في هولندا

ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ክታበት ኣንጻር ኮሮና እንታይ ማለት እዩ
ክታበት ኣንጻር ኮሮና፣ ናይ ኮሮና ቫይረስ ከይሕዘኩም ይከላኸለልኩም።
ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኩም 2 ግዜ ብመርፍእ ክታበት ክትቕበሉ ኢኹም።
እቶም መራፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ በቲ ቫይረስ ንኽትሓሙ ዘለኩም
ዕድል ዝወሓደ ይኸውን።
ኣብ ኣካልኩም እንታይ የጋጥም
ብምኽንያት እቲ ክታበት፣ ኣካልኩም ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ጸረ-ጓና
ባእታታት ይፈጥር።
በዚ ምኽንያት ኣካልኩም ድሕሪ እቲ ክታበት ነቲ ቫይረስ የለልዮ።
ስለዚ ኣካልኩም ቀልጢፉ ነቲ ቫይረስ ክቐትሎ ይኽእል። ንስኹም ኣይትሓሙን ወይ ከኣ ብዙሕ
ኣይትሓሙን።
እቲ ክታበት ንኽንደይ እዋን ኣንጻር ኮሮና ከምዝከላኸል ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ።
እዚ ውሑስ ድዩ
እቶም ክታበታት ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ብቕልጡፍ እዮም ተሰሪሖም።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ክታበት ብዝምልከት
ብምትሕብባር ይሰርሑ ስለዝነበሩ እዩ።
ዝኾኑ ዝተሰግሩ ነገራት የለዉን። ከምኡ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ክታበት
ንምስራሕ ዝምልከቱ ሕጊታት ኣዝዮም ተረርቲ ስለዝኾኑ።
እቶም ክታበታት ተሰሪሖም ምስተወድኡ፣ ውሕስነቶም ንምርግጋጽ ተመርሚሮም እዮም።
እቶም ክታበታት፣ ኤማ [EMA] ብዝተባህለ ኤውሮጳዊ ተቕዋም መድሃኒታት ብቚዓት ምዃኖም
ጸዲቆም እዮም።
ቦርድ ግምገማ መድሃኒታት [CBG] ዝተባህለ ናይ ኔዘርላንድ ተቕዋም ኣካል ናይዚ እዩ።
ጎድናዊ-ሳዕቤናት
ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ክታበታት ዘጋጥም፣ ድሕሪ እቲ ክታበት ምልክታት-ሕማም ከጋጥመኩም
ይኽእል እዩ። እዚ ጎድናዊ-ሳዕቤናት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ንኣብነት ካብዞም ዝስዕቡ ጸገማት ከጋጥመኩም ይኽእል፡
• ቃንዛ ኣብቲ ንኽታበት መርፍእ ዝተወጋእክምሉ ቦታ
• ቃንዛ ርእሲ
• ድኻም ዘለካ ምዃን
• ቃንዛ ጭዋዳ
• ረስኒ
እዚኦም ምልክታት-ሕማም መብዛሕትኡ እዋን ካብ 1 ክሳብ 3 መዓልቲ ይጸንሑ።
2ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ካብቲ 1ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ንላዕሊ
ዝያዳ ጸገም ናይዚኦም ምልክታት-ሕማም ክህልወኩም ይኽእል።
ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ጥራይ ኢና ንሕና ልክዕ ብርግጽ ክንፈልጦ እንኽእል፣ እንተኾነ
ግን ዳሕራይ ካልኦት ምልክታት-ሕማም ንኸጋጥመካ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ክታበት ብዙሓት ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ኣጋጢምኩም፣ ናብ ሓኪምኩም
ደውሉ።

እቲ ክታበት ንመን ዝዓለመ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ዕድመኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት፣ ክታበት ንምውሳድ ናይ ዕድመ
ደብዳቤ ክቕበሉ እዮም።
ንነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንምኽታብ ዝከኣል ኣይኮነን።
እንተድኣ ሪጋኹም በጺሑ፣ ኣብ ገዛኹም ሓደ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ክትቕበሉ ኢኹም።
ኣብዚ እዋን 3 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበታት ኣለዉ።
ንስኹም ኣየናይ ዓይነት ክትቕበሉ ምዃንኩም ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
መዓስ ዘይምኽታብ
ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት ናብ ሓኪምኩም ደውሉ፡
• ቅድሚ ሕጂ ሓደ ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ሓሳስያ ማለት ኣለርጂ ገይርልኩም
እንተድኣ ነይሩ ኮይኑ
• 1ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ እንተድኣ ኣዝዩ ሓያል ሓሳስያ ማለት
ኣለርጂ ገይርልኩም
ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት፣ ነቲ ክታበትኩም ናብ ካልእ ግዜ ከተሰጋግርዎን፣ ሓድሽ ቆጸራ
ክትገብሩን ዝሓሸ እዩ፡
• እንተድኣ ኣዚኹም ሓሚምኩም ወይ ልዑል ረስኒ ምስ ዝህልወኩም
• እንተድኣ ኮሮና ኣለኩም ኮይኑ
• እንተድኣ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኮሮና ንዘለዎ ሰብ ዘጋጥምዎ ምልክታት-ሕማም
ኣለውኹም ኮይኖም
• መርመራ ናይ ኮሮና ገይርኩም ነይርኩም እንተኾይንኩምን፣ ውጽኢቱ ገና ዘይፈልጥኩም
እንተኾይንኩምን
• እንተድኣ ምስ ሓደ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ተራኺብኩም ነይርኩም ኮይንኩም
ነፍሰጾር
ነፍሰጾር ዲኺ? ስለዚ ነቲ ክታበት ክሳብ ድሕሪ ጥንሲ እንተሰጋገርክዮ ይሓይሽ።
ሕማም ናይ ኮሮና ኣዚዩ ከምዘጥቕዓኪ ክገብር ዝኽእል ሕማም እንተድኣ ኣለኪ ኮይኑ፣ ምኽታብ
ሓደ ሓደ ግዜ ተመራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እንታይ እንተገበርኪ ከምዝሓይሽ ንምሕታት
ናብ ሓኪምኪ ደውሊ።
ድሕሪ እቲ ክታበት
ድሕሪ እቲ ክታበት፣ ነቶም ሓፈሻዊ ምኽሪታት፣ ከም በዓል ኣእዳውካ ምሕጻብን ርሕቐት
ምሕላውን ዝኣመሰሉ ምኽታልኩም ገና ቀጽሉ።
እንተድኣ ምልክታት-ሕማም ናይ ኮሮና ኣጋጢምኩም ተመርመሩ።
ድሕሪ እቲ ክታበት፣ ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሰባት ከተመሓላልፉ ትኽእሉ ምዃኑን ዘይምኻኑን
ገና ኣይተፈልጠን።
ከምኡ እውን ገና በቲ ቫይረስ ክትሓሙ ናይ ምኽኣል ዕድል ኣሎ።
እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት
ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡
ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1351 ደውል።

read more

Read More
Tigrinya Voorzijde Handboek

Download het Welcome to Nijmegen handboek

ኣብ ናይመኸን ሓድሽ ዲኻ? እዛ ንእሽቶ መጽሓፍን ድረ-
ገጽ WWW.WELCOMETONIJMEGEN.NL/TIR መኣዝንካ
ክትፈልጥ ክሕግዘካ’ዩ። ከምኡ’ውን ብቋንቋታት ዳች፡ ዓረብን
እንግሊዘኛን ተዳልዩ ኣሎ።

Download pdf’s:

⇒ Handboek Tigrinya Welcome to Nijmegen Yalla 150518

Handboek Nederlands Welcome to Nijmegen Yalla_40418

 Handbook English Welcome to Nijmegen_Yalla_40418

⇒ Handboek Arabisch Welcome to Nijmegen Yalla_60618

 

Read More
19800570_135836330331873_2841530807482177990_o

ወግዒ ክንክን ጥዕና | Zorgcafé

zorgcaféዝኾነ ጥዕናዊ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ? ፣ብሓንሳብ ሻሂ እንዳ ሰተኻ፣ኣብ ወግዒ ክንክን ጥዕና ብቀሊሉ ክትሓት ወይ ምኽሪ ፣ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ሓደ ሓደ ግዜ ውን ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እንተ ኼንካ ወለንተኛታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

  • ሰሉስ    12፡00 ድቀ- 16፡00 ድቀ
  • ሮቡዕ    13፡00 ድቀ- 17፡00 ድቀ
  • ዓርቢ    13፡00 ድቀ- 17፡00 ድቀ

ወግዒ ክንክን ጥዕና ዝተፈላለዩ ወለንተኛታት ሓገዝቲ ኣለዋ። ንኣብነት ከም ኣስተርጎምቲ እንግሊዜኛ፣ትግርኛ፣ዓረብኛ።

ኣስቶርጎምቲ ቀጻሊ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክህሉዉ ኣይክእሉን ይኾኑ።ኣብ ወግዒ ክንክን ጥዕና ወይ ኽዘልኽ ኣስቶርጋሚ ምዓስ ኣሎ ክትውከስ ትኽእል።ወግዒ ክንክን ጥዕና/ኸዘልኽ ንሓደስቲ ወለንተኛታት ኩሉ ግዜ ክፉት’ዩ።ነዘርላንድ ቃንቃ ትዛረብ እንተኼንካ ደስ እንተ ኢልካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፣ወይ ድማ ኣብ ናይመኸን ነዊሕ/ሓጺር ዝተቀመጥካ፣ኣብ ንጥፈታት ምሕጋዝ ኩሉ ግዜ ይከኣል።

Zorgcafé | Gezellig (ኣብ ትሕቲ እንዳ VWN)
Ganzenheuvel 56, Nijmegen

Read More
Nijmegen legt contact op facebook Welcome to Nijmegen

ኣብ ናይመኸን ብፈይስቡክ ርክብ ምፋጣር | Nijmegen online

ኣብ ግሩብ ማሕበር ምኻን ወይ ገጽ(page) ምስዓብ ።ሓደስቲ ሰባት ወይ ነባራት የላልየካ። ኣብዚ ነብስካ ተላሊ ክእለትካ። ምስ ሰባት ብዙሕ ርክብ ምፍጣር ናብ ቅድሚት የሰጉመካ። ወላ ውን ንእሽተይ ጸገም ኣብ ግሩብ ፈይስቡክ  ክትሕገዝ ትኽእል።

  • Eri Nijmegen Community
  • Refugees in Netherlands Nijmegen

    ኣብ ናይመኸን ሓድሽ ዲኻ(ኣብ ካምፕ፣ገዛ፣ወይ ተማሃራይ )ወይ ነዊሕ ዝተቀመጥካ ምስ ሓደስቲ ርክብ ክህልወካ ትደሊ። ኣብ ግሩብ ፈይስቡክ ብቀጥታ ክትሕብር ትኽእል። በዚ ብቀሊሉ ርክብ ክትገብር ትኽእል። ኣትጥፋእ!
  • Spullen voor statushouders Nijmegen

    ንብረት የድልየካ’ሎ ንገዛኻ? ኣብዚ ገጽ ፈይስቡክ ንብረት ናይ ገዛ ክትረክብ . ብነጻ ክትወስዶ ትኽእል።
  • Independent Volunteers Nijmegen
    Nijmegen legt contact op facebook Welcome to Nijmegen
    ሓደ ሓደ ግዜ ንሓደሽቲ ሰባት ትሕግዝ’ዶ ሕቶ ይህልወካ ሕቶኻ ንመን ክትሓቶ ትኽእል ። ንኣብነት ካብ ፍሉኽትሊንቨርክ(VWN)ወጻኢ ወለንታዊ ስራሕ ይህልወካ ።ኣብዚ ግሩብ ክትሓትትን፣ፍልጠት ክትለዋወጥን፣ሓገዝ ክትረክብን ትኽእል።
  • Welcome to Nijmegen

    ፈይስቡክ ገጽ ዝቆመት ንናይመኸን፣ሓደሽቲ መጻእቲ ፣ከባብያዊ ዜና፣ካልእን።  ምስዓብን ተከታታሊ ሃድሽ ሓበሬታ ኩን!
  • Welcome to the Neighbourhood (Lent Griftdijk)
  • Talenten Team Lent
  • Gezellig Nijmegen (ontmoetingscentrum)

Read More
gezellig statushouders nijmegen

ምምጻእ ናብ ማእከል ቦታ ኸዘልኽ | ontmoetingscentrum Gezellig

ኸዘልኽ ማለት ሓደ ማእከል መራኸቢ መላለዪ ቦታ ኣብ ናይመኸን እዩ።እዚ ቦታ እዚ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓታት 13፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብ ዘሎ ክፉት’ዩ።

ኣብዚ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡

⇒ ምጽዋት ተኒስ
⇒ ምልላይ ሓደስቲ ሰባት
⇒ ቡን ወይ ሻሂ ምስታይ
⇒ ሓበሬታታት ምልውዋጥ
⇒ ልምምድ ቃንቃ ነዜርላንድ
⇒ ኣብ ዝኮነ መደባት ምትሕግጋዝ

እዚ ማእክል ቦታ ኸዘልኻብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ እንዳ ፍሉኽትሊንወርክ (VWN) ይርከብ።
ሓደ ግዜ መጺእካ/ኪ ርአዮ።

Gezellig Nijmegen

Ganzenheuvel 56
Nijmegen, The Netherlands
Ma/Mo – Vrij/Fri
13.00-17.00

Read More