ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ወግዓውነት ምልባስ/ ትውጊት(ዋጋ) ምስክር ወረቐት ምፍላጥ/ናይ ስራሕ ተሞክሮ ኣብ ነዘርላንድ

ካብ ዝመጻእካሉ ሃገር (መቦቖል ዓድኻ) ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ምስክር-ወረቐት (ዲፕሎማ) ወይ ናይ ስራሕ ተመኹሮ ኣለካ’ዶ? ኣብ ነዘርላንድ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ምስ ትደሊ ንዘለካ ትምህርታዊ ምስክር ወረቐትን ናይ ስራሕ ተመኹሮን ንምግምጋም ይከኣል። ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ወግዓውነትን ደርጃን ድማ ብትካል (Organization Internationale Diploma Waardering (IDW)ይውሰን። ከም ውጺቱ፡ ካብ ትካል(IDW) ብቋንቋ ዳች ዝተጻሕፈ ንትምህርታዊ ምስክር ወረቐትካ መግለጺ ዝኾነ ወግዓዊ ሰነድ ይወሃበካ። በንጻሩ ዝኾነ ዓይነት መረጋገጺ ንናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ዝምልከት ምስ ዘይህልወካ፡ እዚ ትካል ንኣካዳምያዊ ዓቅምታትካ ዝምጥን ውሳኔታት ክውሰን ይክእል’ዩ።

ናይ ትምህርታዊ ምስክር ወረቐት ምግምጋም እንታይ’ዩ?

ገምጋም ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት  ማለት፡ እቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝወሃብ ትምህርታዊ ምስክር ወረቐት ምስቲ ወግዓዊ ኣብ ነዘርላንድ ዝወሃብ ወግዓዊ ምስክር-ወረቐት ብምንጽጻር ዝግበር ናይ ገምጋም ምስርሕ’ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ገምጋም ናይ ሃገረ-ነዘርላንድ ወግዓዊ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ኣይኮነን።

  • ብትካል (IDW) ዝወሃበካ መረጋገጺ ሰነድ ጌርካ ብቐጥታ በቲ ሞያ ክትሰርሕ ኣይከኣልን።
  • ብትካል (IDW) ዝወሃበካ መረጋገጺ ሰነድ ጌርካ ብቐጥታ ክትመሃር ኣይከኣልን።

ንዓቅምታትካ ምግምጋምን፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክወሃበካን ከይወሃበካን ዝምልከት ውሳኔ ንኣስራሕትን፡ ትካላት ትምህርትን ይምልከት።

መዓስ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ብዘይ ክፍሊት ንምግምጋም ይከኣል?

ናይ ኢበርኹሪን (ኢንዲማጅ) ኮርስ ኣብ ትገብረሉ እዋን፡ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ብዘይ-ክፍሊት ገምጋም ክግበር ይከኣል።  እንተኾነ ናይ ግድን ኣይኮነነ ድማ ናይ ኦና (ONA-course) ኮርስ ክትወስድ፡ ካብታ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ መዓልቲ ጀሚርካ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ብዘይ ክፍሊይ ምግምጋም ይከኣል። ቅድሚ 1-ጥሪ- 2015 ኢበርኹሪን /ኢንዲማጅ ኮርስ እንተዛዚምካ ብዘይ-ክፍሊት ኣገልግሎት ናይ ግምገማን፡ ምርግጋጽን ምስክር-ወረቐት ክትረክብ ትክእል።

እንታይ ዓይነት ምስክር ወረቐት’ዩ ዝግምገም?

ትምህርታዊ ወረቐት ምስክር ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፡

  • ሓደ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ከምእውን 1000 ሰዓት (ወይ ናይ 1 ዓመተ-ትምህርቲ)
  • ኣብ ወግዓዊን መንግስታውን ትካል ዝተወስደ ትምህርቲ
  • ሓንቲ ምስክር ወረቐት ድማ እያ ብዘይ-ክፍሊት ከተረጋግጽ ዝፍቀደልካ። ስለዚ፡ እቲ ዝለዓለ ደርጃ ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ክትመርጽ ይግባእ።
  • ዋላ’ውን ትምህርትካ ብወግዓዊ መንገዲ ኣይትወድእ፡ ደረጃ ትምህርትካ ዝምጥን ምስክር-ወረቐት ክወሃበካ ይከኣል’ዩ። ነዚ ድማ፡ ብውሕዱ ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ክትውድእ ይግባእ።

ከም ስደተኛ ዲኻ ናብ ሃገረ-ነዘርላንድ መጺእካ? ዝኾነ ዓይነት መረጋገጺ ወይ ጭብጢ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት  ምስ ዘይህልወካ/ መሰነይታ ብቕዓት ትምህርቲ (Indicatie Onderwijsniveau) ክትሓትት ይግባእ። ከምኡ ምስትገብር ድማ ብቅዓትካ/ደርጃ ትምህርትካ ክውሰን ይከኣል።

ናይ ትምህርታዊ ምስክር ወረቐት ምግምጋም ምሕትት?

ተወሳኺ፡ ሓበሬታ
ቴሌ: 0031-79-3217930 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ 9.00 ክሳብ 12.30 ዘሎ ግዜ)
መይል፡ info@idw.nl
ብተወሳኺ፥ ናይ ትካል (IDW) ወብሳይት( ዳች ወይ እንግሊዝኛ)

  • ናይ ምስክር ወረቐት ሓጋውነት ምልባስ
  • ናይ ነዘርላንድ ዩኒቨርሲታት
  • ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንስደተኛታት ኣብ ነዘርላንድ
  • ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንሶርያውያን ኣብ ነዘርላንድ
  • ትምህርቲ ኣብ ነዘርላንድ
  • መንበሪ ገዛውቲ ንተመሃሮ
  • ዶሞዝ ንተመሃሮ ኣብ ነዘርላንድ