ትምህርቲ ኣብ ነዘርላንድ

ኣብ ነዘርላንድ ከም ብሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክትረክብ ትደሊ’ዶ?

ከምዚ ዓይነት ድልየት ድማ ኣገዳሲ ስጉምቲ ኣብ ሂወትካ’ዩ። ቀስ-ብቐስ ድማ ቋንቋ ዳች ክትመልክ፡ ጉዳይካ ባዕልካ ከተሳልጥ፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ትምህርቲ ክትጅምር ትክእል። ናብዚ ክትበጽሕ ዝተፈላለዩ መምዘኒታትን፡ ረቛሒታትን ከተማልእ ይግባኣካ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ብምውካስ ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ክትረክብ ይከኣል’ዩ። ኣብ ምምራጽ/ ሕርያ ዓውደ-ትምህርቲ ድማ ዓወት ንምነየልካ።