ሃገረ ነዜርላንድ ዝተፈልየ ኣከይዳ ኣብ ልዕሊ ድራግ ኣለዋ። ምስዚ ተላሊኻ ክትኸውን ኢኻ።ድራግ ክልኩል’ዩ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ወግዓዊ ዝተጻረየ ወይ ፍኹስ ዝበለ ድራግ ኣብ ኮፊ ሾፕ ብዓቀን ዘይወግዓዊ ይሸጣ።ብዛዕባ ዳራግ ዝያዳ ሓበሬታ ደሊኻ (ንኣብነት ንደቅኻ ሓደገኝነቱን ሳዕበኑን ምሃሮም) ሓገዝ ኣበይ ከም ትረክብ ክትፈልጥ ደሊኻ? ቀጺልካ ኣንብብ….

ድራግ  ንናይ ደቂ ሰባት ንቅሓት ጸላዊ’ዩ።ድራግ ንጥዕና ጎደኢ ክኸውን ይኽእል’ዩ።ስለ ዝኾነ ብብዝሕን  ናይ ባዕልኻ ከተፍርን ኩልኩል ዝኾነ (ብፉሉይ ግን ኣብዚ’ሎ)።እዚ መንግስቲ ንድራግ ጠጠው ኣብ ምባል ኣብ ቃልሲ ኣሎ ንኣብነት ናይ ድራግ ዘፍርያ ቦታታት ኣብ ምዕጻው።

ድራግ ኣብ ዝተተቀምካሉ ሓገዝ

ሕቶ ኣለካ፣ናይ ድራግ ጸገማት ወይ ቅልጡፍ ሓገዝ የድልየካ ኣሎ? ኣቀዲምካ ናብ ናይ ገዛ ሓኪምካ ወይ ቀዳማይ ረዲኤት።ዝተፈላለያ ውድባት ኣለዋ ኣብ ካብ ወልፊ ንምክልኻልን ካብ ወልፊ ንምውጻእን ዝሕግዛ።

ኣስትውዕል:
ሓኪም ጸጋማትካ ንኻልእ ክነግር ኣይፍቀዶን’ዩ፣ብዛዕባ ዝኽዕነ ይኹን። እዚ ኸኣ ሕጊ’ዩ ኣብኡ ኸድካ ኩሉ እሙን ማለት ዩ ብዘይ ጸገም ክትዘኣረብ ትኽእል።

ነዚ ጉዳይ ድራግ ዝምልከት ኣብዚ ተወከስ

Informatie van de Nederlandse Rijksoverheid over drugs
Drug Info Team

ሓጺር መግለጺ ሓበሬታ ብዛዕባ ድራግን፡ኣርኮልን፡ትንባኾን ኣብ ሃገረ ነዜርላንድ


Arabisch

Engels

Farsi

Nederlands

ናይ ድራግ ገበነኛታት

ሓደ ሓደ ግዜ ገበነኛታት ገንዘብ ይህቡኻ ብነጻ ይሕግዙኻ ዳሕራይ ኣብ ገዛኻ ፍኩስ ዝበለ ድራግ ንኸፍርዩ ይጉዱድኻ፣ኣብ ገዛኻ ፍኩስ ዝበለ ድራግ ምፍራይ ኣይፍቀድን’ዩ፣ከምኡ እንተ ገርካ ከም ገበነኛ ከቁጽረካ ይኽእል’ዩ።ንገበናት ቁሉዓት ዝኾኑ፣ንኣብነት ስደተኛታት።

ኣብዚ ታሕቲ ተመልከት ኣቀዲሙ ንሶርያውን ስድራቤት እንታይ ኣጋጢምዎም!(ጋዜጣ ብኔዘርላንድ)
Hennepbendes werven kwetsbare vluchteling als thuisteler

ገበነኛታት እንተ ሪእኻ ምሕባር

ዝኾነ ነገር እንተ ርኢኻ ወይ ዘይዉሑስ ኩነታት:
⇒ ህጹጽ ኣይኮነን? ኣብዚኣ ቁጽሪ ደውል 0900-8844
⇒ ኣብ ህጹጽ እዋን (ናይ ሂወት ሓደጋ ) 112 ደውል
⇒ ስምካ ከይሓበርካ ሓበሬታ ምሃብ?ናይ ገዛእ ርእስኻ ስም ምንጋር ኣየድልየካን’ዩ። 
በዚኣ ቁጽሪ ደውል 0800-7000