ኩሉ ነባሪ ኔዘላንድ ዝነብር ኣብ ናይ ገዛ ሓኪም ምዝጉብ ክኸውን ኣለዎ ፣ እንሕር ደኣ ናይ ሕማም ምልክት ተሰሚዕካ ወይ ድማ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልወካ ኣቀዲምካ ናብ ናይ ውልቁኻ ሓኪም ትኸይድ። እንድሕር ደኣ ብኑጹር ካልእ ሓገዝ የድልየካ ኣሎ እቲ ዶክተር ባዕሉ ናይ ዝለዓለ ኪኢላ ብወረቀት ኣሰንዩ የሕልፈካ።
ናይ ገዛ ሓኪም ገዚፍ ጨንፈር ናይ ጥዕናን ናይ ጥዕናን ጸጋማት ኣለዎ ፣ ንዝኾነ ጸገማት ናይ ውልቂ ሓኪምካ ክትከይድ ትኽእል ንኣብነት ፣
⇒ ዝኾነ ሕቶ ብዛዕባ ጥዕና ወይ ድማ ጥዕና ናይ ስድራቤትካ
⇒ ኣእሙሮኣዊ ጸገማት (ሐሕማቁ ትሓስብ እንተ ዄንካ ወይ ድማ ጽቕጠት ይስመዓክ እንተ ኾይኑ)
⇒ ንዝኾነ ስሓ መሳሊ እንተ ደኣ ሃልዩካ
⇒ ናይ ደም መርመራ
⇒ ናይ ጥዕናኻ ምቑጽጻር Controleer ንምግባር
⇒ ንናይ ክንክን ሓገዝን ምእላይን (ንኣብነት ከም ሕዱር ሕማማት ሽኮር ወይ ድማ ኣዝማ)
⇒ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ መከላኽሊ ጥንሲ ወይ ከኒና
⇒ ሕቶ ብዛዕባ ድራግን ኣርኮላዊ መስተን
እንድሕር ደኣ ናትካ ሓኪም ክሕግዘካ ዘይከኣለ ናይ ካሊእ ኣካል ከሕልፈካ ይኽእል። ኣለካ ናይ ሕይወት ሓደጋ እንተ ኣለካ 112 ክትድውል ትኽእል።
ኣስተውዕል:
እንድሕር ደኣ ጽቡቅ ይሰምዓክ እንተዘይሃልዩ ወይ ድማ ገለ ነገር እንተ ኣጋጢምካ ናብ ዶከተር ትኸይድ ዶ ኣይትኸይድን ኣይፈልጥን ኢኻ ፣ ኣብዚ ወብሳይት ርአ ፣ www.moetiknaardedoktor.nl . ኣብ ሞባይልካ ብምውራድ ድማ መልስታት ናይ ሕቶታትካ ኣብ ዶክተር ክትከይድ ዶ ኣይተኸይድን ኣብኡ ክትደልዮ ትኽእል።
ከምይ ጌረ ኣብ ናይ ውልቒ ዶክተር ይምዝገብ?
ዝበዝሕ ግዜ VWN ወይ ድማ ናይ ውልቂ ተሓጋጋዚኻ ይሕግዘካ ፣ እንድሕር ደኣ ናይ ውልቂ ዶክተር ክትቕር ደሊኻ ኣብዚኣ ወባይት ኣብ ቀረባካ ዘለዉ ድለ።
⇒ Postcode ናትካ ምስ ጸሓፍካ ኣብ ከባቢኻ ዘልዉ ናይ ዶካትርን ክትርእዮም ኢኻ።
⇒ናብቲ ዶክተር ደውል ንሓደሽቲ ቦታ እንተ ኣለዎ ንምርግጋጽ።
⇒ እቲ ዶክተር ድማ ንናይ ሌላ ዝርርብ ዕድመ ከቅርበልካ ይኽእል ፣ ምስኡ / ምስኣ ድማ ናይ ሕሉፍ ኩነታትካ ከተካፍሎ ትኽእል።
ምስ ናይ ውልቂ ሓኪም ከመይ ጌረ ቆጸራ ይሕዝ?
⇒ ናብ ተሕእጋጋዚት ናይ ዶክተር ደውል ወይ ድማ ብወብሳይት ቆጸራ ሓዝ
⇒ ተሓጋጋዚት ናይ ዶክተር እንታይ ምኻኑ ጸግምካ ክትሓተካ’ያ
⇒ ቆጸራ ትሕዝ
⇒ ሓደ ሓደ ግዜ ተሓጋጋዚት ናይ ዶክተር ባዕላ ክትሕግዘካ ትኽእል’ያ (ንኣብነት ናይ ሽንቲ መርመራ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ኾይኑ)
ኣስተውዕል:
ቆጸራ ምስ ዶክተር 10 ደቒቕ ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ።እዚ ሓጺር እዩ ፣ ስለዚ ኣብ ገዛ ጽቡቕ ጌርካ ሕሰብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጸገማትካ ከመይ ጌርካ ከም ትገልጾ።እንድሕር ደኣ ንኽትገልጽ ነዊሕ ግዜ የድልየካ ኾይኑ ኩሉ ግዜ ካልኣይ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።
ነብሰፍወሳ
ኔዘርላንዳውያ ዶካትር መድሃኒት ዝህቡኻ ነብስኻ ባዕሉ ክመሓየሽ እብተ ዘይኪእሉ ጥራይ’ዩ፣ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ሓካይም መድሃኒት ዘይህቡኻ ነብስኻ ባዕሉ ክሳብ ዝመሓየሽ።ሓደ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሽኻ ፍወሳ ብዘይ ቅብሊት ናይ ዶክተር ካብ ዝኾነ ፋርማሲ ወይ ቤት መድሃኒት ክትገዝእ ትኽእል።እዚ ኣብ ናይ ውሕስነት ክንክን ኣይሽፈንን’ዩ፣ናይ ገዛ ሓኪምካ ብዛዕብኡ ከማኽረካ ይኽእል።
ዝኽፈተሉ ሰዓታትን ናይ ቀዳመ-ሰንበት ፖስትን
ኔዘላንዳውያን ሓካይም ኣብ ቤ/ጽ ናይ ስራሕ ሰዓታት ይኸፍቱ ዝበዝሕ ግዜ ካብ 8.00 ካስብ 17.00.ኣብ ግዜ ለይቲ፣ ቀዳመ ሰንበት፣ኣብ በዓላት huisartsenpraktijk ዕጹው’ዩ።ኣብዚ እዋን ዝኾነ እንተ ኣጋጢሙ ማእከል መወከሲ ቦታ ኣሎ።እዚ ኸኣ ዶክተር ወይ ሓኪም ናይ ገዛ እትረኽበሉ ቦታ’ዩ እንድሕር ደኣ ህጹጽ ወይ ድማ ቤ/ጽ ናይ ገዛ-ምካ እንተ ተዓጽዩ።ኩሉ ግዜ ንቖጸራ ደውል፣ ቁጽሪ ተሌፎን፣
⇒ 0900-8880
⇒ ኣድራሻ: Weg door Jonkerbos 108, 6532 SZ Nijmegen (links naast het CWZ ziekenhuis)
በየናይ ቋንቋ ምስ ናይ ገዛ-ሓኪም ይዘራረብ?
ኩሎም ናይ ገዛ-ሓካይም እንግሊዘኛ ይዛረቡ እዮም።ብኔዘርላንድ ኸኣ ብርግጽ ክትዘራረብ ትኽእል።እንተ ደኣ ናይ ንናይ ገዛ ሓኪምካ ብኔዘርላንድ ብኔዘርላንድ ክትገልጽ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ ዘስተርጉመልካ ክትማላእ ዝሓሸ’ዩ።እዚ ኸኣ ኔዘርላንድ ወይ ድማ እንግሊዘኛ ዝዛረብ በተሰብካ ወይ ድማ ዓርክኻ ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ 1 ሓምለ 2016 መንበሪ ፍቓድ ወሲድካ? ናይ ገዛ_ሓኪምካ ክሳብ 6 ኣዋርሕ ብተሌፎን ኣስተርጋሚ ክጥቐም ይኽእል።
ንኽትፈልጦ ጽቡቕ’ዩ …
⇒ ናይ ገዛ-ሓካይም ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ ብምስጢር ክሕዝዎ ግዴታ ኣለዎም ፣ ብዘይካ ባዕልኻ ምስ ካልእ ንኽካፈልዎ እንተ ኣፍቂድካ።
⇒ ሓደ ሓደ dokters ነዊሕ ናይ መጸበዬ ዝርዝር ኣለወን ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ነዊሕ ክወስድ ይክእል’ዩ ቅድሚ ቆጸራ ምሓዝካ።
መዘኻኸሪ: ፣
ኩሉ ግዜ ንዝተጻሕፈልካ መድሃኒት መን ከም ዝኸፍሎ ኣረጋግጽ ወይ ድማ ንዝተዋህበካ መሓከሚታት ማዕዳ ፣ ብከምዚ ኣገባብ ድማ ካብ ዘይፈተጥካዮ ሕሳብ ከምዘይመጸካ ትገብር።