Toeslagen | ፋይናንሳዊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ

Toeslagen | Financiële hulp

ኣታዊኻ ትሑት እንተ ደኣ ኮይኑ ካብ Belastingdienst ወይ ድማ ብዙሕ Toeslagen ክትረክብ ትኽእል። እዚ ከኣ ሕሳብ ድማ ንዝተወሰነ ክፍሊት ክሕግዘካ ይኽእል። ንኣብነት ገዛ ኽራይ ናይ ውሕስነት ክንክን ወይ ድማ ንወጻኢታት ናይ ደቕኻ።

Huurtoeslag ከመኡ ውን zorgtoeslag

Huurtoeslag ሓገዝ ኣብ ምኽፋል ገዛ ኽራይ ዝወሃበካ ማለት’ዩ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ huurtoeslag ኣብዚ ሊንክ ተወከስ (informatie over huurtoeslag).
Zorgtoeslag ኸኣ ብዛዕባ ናይ ክንክን ሓገዝ ዝወሃበካ’ዩ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ተወከስ (informatie over zorgtoeslag).

ምሕታት  huurtoeslag ከመኡ ውን zorgtoeslag

ኣብ Belastingdienst uw toeslagen aan (ሕተት( ብናትካ DigiD).

Kindgebonden budget

ኣታዊኻ ትሑት እዩ ቆልዑ ካብ 18 ንታሕቲ ኣልዉኻ?ምናልባት መሰል ናይ kindgebonden budget ካብ Belastingdienst ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። እዚ ሓገዝ ንደቅኻ ወጻኢታት’ዩ ኣብ ርእሲ ናይ kinderbijslag [interne link)። እቲ ዝወሃበካ ሓገዝ ወርሕዊ ካብ kindgebonden ክትቕበል ኢኻ። እቲ ዝወሃበካ መጠን ሓገዝ ድማ ኣብ ዕድመ ናይ ደቕኻን ናትካ ኩነታትን ይሙርኮስ።

Kindgebonden budget ክትረክብ ትኽእል፣
እንተ ደኣ፣
⇒ 1 ወይ ልዕሊኡ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተ ደኣ ኣለካ
⇒ Kinderbijslag [interne link] ትወስድ እንተ ዄንካ
⇒ ብዙሕ ናይ መዋህለሊ ሕሳብ እንተ ዘይብልካ 
⇒ Niet te veel spaargeld heeft

እንድሕር ናትካ ኩነታት ተለዊጡ ን Belastindienst ክትሕብር ኣለካ፣ ንኣብነት ኣታዊኻ እንተ ተቀይሩ ወይ ድማ ጥርናፈ ናይ ስድራቤት እንተ ረኺብካ።

ኣስትውዕል፣
እንተደኣ ጥርናፈ ስድራቤት ትጽበ ኣለኻ ናይ ሓደ ወላዲ Belastingdienst ይፍቐደካ። ስለዚ ሓገዝ ናይ ሓደ ወላዲ Belastingdienst ካብ kindgebonden ትቕበል። እንተ ደኣ መጻምድኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺኡ ናይ ሓደ ወላዲ ዝነበረካ መሰል ጠጠው ይብል፣ ስለዚ ብዙሕ ገንዘብ ተቀቢልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ፣ ከምኡ እንተ ኮይኑ ምናልባት ተመሊስካ ክትክፈሎ ትኽእል ትኸውን፣ ስለዚ ካብቲ ወርሓዊ ዝወሃበካ ሓገዝ ኣብ መወህለሊ ባንክ ከተቐምጦ ዝበለጸ’ዩ።

ምሕታት kindgebonden budget

እንተ ደኣ ካብ Belastingdienst toeslag ክትረክብ ዄንካ kindgebonden budget ዝበዝሕ ግዜ ምሕታት ኣየድልየካን’ዩ፣ ኣውቶማቲካሊ ክትቕበል ኢኻ፣ kindgebonden budget ትቕበላ የለኻን፣ ይግበኣካ ድዩ ኣይግበኣካን ሕሰብ? እንተ ዝግበኣካ ኮይኑ በቲ ናትካ DigId ኣቲኻ ሕተት።

Kinderopvangtoeslag

ትሰርሕ፣ ሞያ ትምሃር ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ትምሃር ኣለኻ?ደቕኻ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ድማ ናይ ቆልዑ ይኸዱ፣ ንኣብነት ኣብ KION?ምናልባት kinderopvangtoeslag ካብ Belastingdienst መሰል ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። እቲ መጠን ሓገዝ ድማ ኣብ ናትካ ኣታውን ኩነታት መነባብሮኻን ይሙርኮስ ከምኡ’ውን ክንደይ ግዜን ክሳብ ክንደይ ንውሓት ሰዓታት ኣብ መዋእል ህጻናት ወይ ድማ መውዓሊ ናይ ቆልዑ ክጸንሑ ይኸዱ።

Kinderopvangtoeslag ክትቕበል ኴንካ ነዚ ዝስዕብ ቕጥዕታት ከተማልእ ኣለካ፣

⇒ ምስ ናይ መውዓሊ kindercentrum of gastouderbureau ኩንታራት ክትፈራረም ኣለካ
⇒ ገለ ክፋል ናይ ክፍሊት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ
⇒ Kinderbijslag ክህልወካ ኣለዎ
⇒ ነፍሲ ወከፍ ቖልዓ ኣብ ወርሒ ዝለዓለ 230 ሰዓት ኣብ መውዓሊ ህጻናት ክጸንሕ ይፍቀዶ
⇒ Uw kind zit nog op de basisschool

ኣብ ናብራኻ ዝኾነ እንተ ተቐያዬሩ ንBelastingdienst ክትሕብር ኣለካ፣ ንኣብነት ውሑድ ወይ ብዙሕ ሰዓታት ክትሰርሕ እንተ ጀሚርካ።

ምሕታት kinderopvangtoeslag

Kinderopvangtoeslag ብናትካ DigID ኣብ ሳይት ናይ Belastingdienst ኣቲኻ ትሓትት።

Hulp nodig bij het aanvragen van toeslagen?

እዚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ ወይ ድማ ሕቶ ኣለካ? ናይ STIP ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ብጻሕ። .እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ።