Kledingbank | ልብሲ ብነጻ

ኣታዊኻ ትሑት’ዩ ክዳውንቲ ንኽትገዝእ?ወይ ድማ ክዳውንቲ የድልየካ ኣሎ ግን ከቢርካ?እዚ ኣብ Kledingbank ክትረኽቦ ትኽእል፣ኣብ Kledingbank ክዳውንቲ ክትደሊ ትኽእል፣እቲ ኽዳውንቲ ኸኣ ብቐጥታ ካብ ዱካንውንትን ካብ  ጽብቅ ዝበለ tweedehands ዝመጸ’ዩ፣ብከምዚ ድማ ኩሉ ሰብ ዓመት ሙሉእ ይኽደን!

እንተ ደኣ ብውልቀኻ እንዳ ነበርካ ኣታዊኻ ካብ 175 ኤውሮ ዝልዕል እንተ ዘይኮይኑ እዚ ማለት ንኽዳውንትኻን ንመግብኻን( እቲ ናይ ኤለክትሪክ፣ማይ፣ናይ ውሕስነት፣ናይ ክራይ) ኣውጺእካ ማለት’፣ከምዚ እንተ ኾይኑ ኣታዊኻ ኣብ kledingbank ክትከይድ ትኽእል፣እንተ ደኣ ስድራ ዄንካ እዚ መጠን ገንዘብ ክልዕል ይኽእል፣
175 ኤውሮ ተወሳኺ
- 60 ኤውሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እኹል ሰብ
- 50 ኤውሮ ንቖልዑ ካብ 13-18 ዝዕድሚኦም
- 25 ኤውሮ ንቖልዑ ክሳብ 12 ዝዕድሚኦም

እንተ ደኣ እዚ ዝተጠቅሰ ኩነታት ንዓኻ ዝምልከት ኮይኑ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ፣ከምይ ጌርካ ኮጸረኣ ትሕዝ ድማ ቀጺልካ ኣንብብ።

ሕጽር ዝበለት ቪድዮ ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ kledingbank ተዓዘብ፣

ስቅ ኢለ ዶ ክመጽእ ኣለኒ ወይስ ዝኾነ ዝሳለጥ ኣሎ?

ካብ ናይ ዝኾነ ወግዓዊት ማሕበር ንዓኽእ ተባሂሉ ዝተመልአ ፎርምን ክታምን ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ኸኣ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክትገብሮ ትኽእል፣
1. ናብ VWN ወይ ድማ ናብ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ STIP ኪድ።
2. ምስቲ ዝሕግዘካ ዘሎ ብሓንሳብ ትፍርሞ ነቲ ኣዋጅ >>> deze verklaring.
3. እቲ ወለንተኛ ድማ ንዓኻ ከም ሓዲሽ ዓሚል ኣብ Kledingbank የመዝግበካ።
4. ክዳንውቲ ንኽትሓሪ ምስ Kledingbank ቆጸራ ሓዝ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢመይል ስደድ።
info@kledingbanknijmegen.nl
ወይ ድማ በዚ ዝስዕብ ደውል፣ 06 55 86 56 685.

ኣብቲ ዝተዋህበካ ሰዓት ናብ Kledingbank ኪድ፣ እቲ ዝፈረምካሉ ናይ ኣዋጅ ምሳኻ ተማልኣዮ ኣይትረስዓዮ!

ኣድራሻ Kledingbank

Winkelsteegseweg 144 6534 AR Nijmegen 
ዝኽፈተሉ ሰዓታት፣ 09.30 ክሳብ 16.00

ክንደይ ግዜ ክዳውንቲ ክመሪጽ ይመጽእ?

ኣብ ዓመት 2 ግዜ ምስ Kledingbank ቆጸራ ክትሕዝ ይፍቀደካ፣ኣብቲ ቆጸራ ትሕዘሉ እንተ ወሓደ ናይ 6 ወርሒ ፍልልይ ክህልዎ ኣለዎ።

ወለንታውያን ወይ ድማ ክዳውንቲ ዝህባ ዝውፈያ Kledingbank?

ንስኻ ንባዕልኻ ኣብ ናይ ክፉት ሰዓታት እዋን ክዳውንቲ ከተምጽእ ትኽእል፣ኩሉ ጽቡቅን ጽሩይን ክዳውንቲ ክጠምሉ ይኽእሉ፣ወለንተኛታት ነቲ ስራሕ ይዓምዎ፣ወለንተኛ ክሰርሕ ዝደሊ ድማ ኩሉ ግዜ ክፉት’ዩ። ከመይ ጌርርካ ትምዝገብን ዝያዳ ሓበሬታ ትረክብን ኣብዚ ወብሳይት kledingbank ናይመኸን  ተዓዘብ ፣

 www.kledingbanknijmegen.nl

(bron: Kledingbank Nijmegen 2017)