ከመይ ጌርካ ገንዘብ ተመሓድሮ?እንተ ደኣ belasting, toeslagen, ወይ መቕጻዕቲ ኣለካ እንታይ እቲ ኣገዳሲ? ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መንግስቲ ቆጸራ ክትሕዝ እንተ ደሊኻ ብ DigId የድልየካ። ኣብዚ ታሕቲ ምኽርን ሊንክታት ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ክትረክብ ኢኻ። ውድባት ብዛዓባ ገንዘብ ክሕግዛኻ ዝኽእላ፣ከምኡ’ውን ዲጂታላዊ ርክብ ምስ ምምሕዳርን መግስትን።

ኣብ ርእሲ ናይ ፋይናንሳዊ ሓገዝካ እትረኽቦ ገንዘብ ሓበሬታ ብዛዕብኡ ኣብዚ ኣለካ። እቲ ሕጊ ዝበዝሕ ግዜ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎ’ዩ ዘገልግል፣ ወላ ውን እንዳ ሰራሕካ ኣኻሊ ኣታዊ እንተ ዘይብልካ። ሓደ ሓደ ግዜ ብሃገር ደረጃ toeslagen፣ ወይ lokaal ዝወሃብ ኣሎ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን ጥራይ ክኸውን ይኽእል።

ንኣብነት ቁጠባዊ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ይኸኣል’ዩ፣

⇒ ናይ መዓልታዊ ወጻኢታት ንመንብሮኻ (bijstandsuitkering)
⇒ ክፍሊት ናይ ውሕስነት ክንክን፣ ክራይ፣ ናይ መውዓሊ ቆልዑ (toeslagen)
⇒ መምሃሪ ንቖልዑ ኮምፒተር (bijzondere bijstand)
⇒ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ምስታፍ ከም በዓል ሓጺር ሞያ ምውሳድ ወይ ስፖርት (Meedoen-regeling).

ኣየናይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ትረክብ ኣብ ናትካ ኩነታት’ዩ ዝሙርኮስ። ሓደ ሓደ ሓገዛት፣ toeslagen ንኹሉ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎ የገልግል፣ ኣብ ገለ ድማ ብፍሉይ ንስድራ ምስ ቆልዑት የገልግል። ገለ ሓገዛት እንተደሊኻ Belastingdienst ወይ ድማ ንምምሕዳር ክትሓትት ኣለካ።

ባዕልኻ ክትሰርዖ ፈትን እንድሕር ዘይተሰልጥካ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓገዝ ክትረብ ትኽእል ኢኻ [interne link]. እንድሕር ዕዳ ኣለካ ወይ ድማ ካብ ዕዳ [interne link] ክትከላኸል ደሊኻ ሓገዝ ኣሎ።

  • [alle menu-items]