ሃገረ ኔዘርላንድ ሓንቲ ካብተን ጽቡቅ ኣተኣላልያ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር’ያ። ሓደ ካብቲ ጽቡቅ ኣተኣላልያ/ቀረባት ገንዘባዊ ሓገዝ’ ንሰባት (ንስደተኛታት ጥራይ ኣይኮነን) ንእኹል ኣታዊን ጠቅላላ ኣታዊ ንዘየእትውንዝግበር ሓገዝ’ዩ።እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓደ ካብቲ ናይ ተሳታፍነት ሕጊ’ዩ። መንግስቲ ኔዘርላንድ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኣታዊታት ናይ ዝሰርሑ ዜጋታት ቀረጽ የዋህልሎ፣ኩሉ ዝሰርሕ ናይ ግድን ነዚ ቀረጽ ክኸፍል ኣልዎ።
ገንዘባዊ ሓገዝ ግዝያዊ’ዩ
ገንዘባዊ ሓገዝ ኩሉ እዋን ግዝያዊ’ዩ፣ስራሕ ሰሪሕካ ገንዘብ ክርእቱ ምስ ጀመርካ እዚ ናይ ግድን ክትገብሮ ኣለካ፣ወላ ውን ምሉእ ስራሕ እንተ ዘይሃለወካ፣እቲ እትረኽቦ ዘላኻ ምስ’ቲ ገንዘባዊ ሓገዝ የመጣጥንዎ።
ቤ/ጽ ዕዮ ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ናይመኸን፡ቪኸን፡ድሩተን፡በውኒንገን፡ሀውመን፡ሙኩን፡ሚደላር ወይ በርኼንዳል ትቅመጥ? ገንዘባዊ ሓገዝ ኣለካ?ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ግዜ ዕድመ ንዝርርብ ካብ ምምሕዳር ከተማ ክመጻካ’ዩ፣ምምሕዳር ከተማ ምስ ገንዘባዊ ዝወስድ ብሓባር ቆጸራ ምሓዝን ብዛዕባ ስራሕ ንኽትረክብ እንታይ ክትገብር ኣለካን ይሕጉዙኻ ፣እንድሕር ዕድመ መጺእካ ናይ ግድን ክትከይድ ኣለካ።
እንታይ ክትገብር ኣለካ ገንዘባዊ ሓገዝ እንተ ኣለካ
- ምምሕዳር ከተማ ወይ ድማ werk vedrijf እንተ ዓዲምካ ናይ ግድን ክትከይድ ኣለካ።
- እንድሕር ኣብ ኩነታትካ ዝኽዕነ ምቅይያራት ኣሎ ማለት ገንዘብ ተእቱ እንተ ኣለኻ ቀጥታ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኽትሕብር ኣለካ።
እንታይ ዓይነት ለውጥታትን ኣብ ናትካ ኣታዊታትን ኣለዎ ኣብ ናትካ ዉልቃዊ ኩነታት ይሙርኮስ፣ኣብዘን ዝስዕባ ፐይጅ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። de uitkering en bijverdienen (met voorbeelden) ከምኡ’ውን meer informatie over waarom en hoe u wijzigingen moet doorgeven. ሕቶ እንተኣለካ ኣብዚ ተወከስ፣
ኣብዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ትረክብ de contactgegevens van de gemeenten in het Rijk van Nijmegen.