ኣብዘን ዝስዕባ ናይ ቋንቋ ቤ/ትምህርትታት ተመዝጊብኩም፡ ነቲ ንምውህሃድ (inburgering) ዘድሊ ናይ ቋንቋ ደረጃ ንምብጻሕ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ወጻኢታት'ቲ ትምህርቲ በቲ ካብ DUO ዝተሰልዐ ዉልቃዊ ለቓሕኩም ዝሽፈን'ዩ (ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስዝህልወኩም ማለት'ዩ)። ኣብዚ ወብሳይት ikwilinburgeren.nl ዝርዝር ናይ ኩለን ኣብዚ ሃገር ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ናይመኸን ዝርከባ ናይ ቋንቋ ቤ/ትምህርትታት ክትረክቡ ትኽእሉ።