ሓበሬታ ብዛዕባ ምሕንባስ ኣብ ናይመኸን ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ክረምቲ ኣብ ደገ ክትሕንብስ ትኽእል ንኣብነት ስፒኸልዋል ወይ ድማ ኣብ ሩባ ዋል፣ኣብዚ ሩባ ክትሕብስ ከለኻ ካብ መራኽብ ክትጥንቀቕ ኣለካ ኣርሒቅካ ክትሕንብስ የብልካን( ኣብዚ ቪድዮ ተዓዘብ)።ኣብ ሩባ ዋል ምሕንባስ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ።
ብነጻ ምሕንባስ
ኣብ መሐንበሲ ቦታ ብነጻ ክትሕብስ ትኽእል ሓንቢስካ ትኽእል እንተ ዘይትኽእል ኼንካ ግን ከኣ ምሕንባስ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣታዊኻ ትሑት እንተ ኾይኑ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል “Meedoenregeling”።
ትምህርቲ ምሕንባስ
ኣብ ነዜርላንድ ቆልዑት ምሕንባስ ይምሃሩ ሓንቢሶም ንኽላመዱ። ኣብ ነዜርላንድ ብዙሕ ማይ ኣሎ፣ስለዚ ቆልዑ ምሕንባስ ምምሃር ውሑስ ይግብሮ።ኣታዊ ትሑት እንተ ኾይኑ zwemfonds ብምሕታት ንደቕኻ ምሕንባስ ከተምሕሮም ትኽእል፣ ኣታዊኻ ትሑት እንተ ኾይኑ ብቱሑት ከተምህሮም ትኽእል ማለት’ዩ።
ኣብዚ ወብሳይት ተወከስ ንዝያዳ ሓበሬታ Op deze website van de gemeente vindt u meer informatie over zwemles en het zwemfonds in Nijmegen.
ናይ መሐንበሲ ወብሳይት
- ኣብዚ ጠውቅ ‘Alle vestigingen’ op deze website.
- ኣበየናይ መሐንብሲ ከምትሕንብስ ምረጽ
- ብነጻ ክትሕንብስ ኣብ ዝደለኻሉ ኣብዚ ተዓዘብ መዓስ ኣስማትን Recreatief zwemmen (AL).
- ናብ መሐንበሲ ኺድ
ኣድራሻ መሐንበሲታት ናይመኸን
⇒ Openluchtbad De Goffert
እዚ መሕንበሲ እዚ ሰንበትን ኣብ ደገ ኢካ ክትሕንብስ ትኽእል።
Locatie: Goffertweg 22, 6532 AA Nijmegen
⇒ Erica Terpstrabad
መሐንበሲ እዚ ናይ ስፖርት መሐንበሲ’ዩ ካብን ናብን እንዳ በልካ ማለት’ዩ።
Locatie: Kwakkenbergweg 25, 6523 MJ Nijmegen
⇒ Zwembad Nijmegen-West
ነጻ መሐንበሲ ( መዘናግዒ መሐንበሲ)።
Locatie: Planetenstraat 65, 6543 VW Nijmegen
Prijzen voor zwemmen in Zwembad West
⇒ Zwembad Dukenburg
Website Zwembad Dukenburg
Locatie: Meijhorst 7041, 6537 EP Nijmegen
ኣብ ተፈጥራኣዊ ምሕንባስ
⇒ ስፒኸልዋል Spiegelwaal
ኣብ ጥቃ ዋል ኣብ ቢንቶ ናይ ሳይክል መንገዲ ብጎኒ ዘሎ ብኣስካላ ታሕቲ ትወርድ።ተጠንቀቅ ኣብቲ ዓቢ ሩባ ክትሕንብስ የብልካን። ብብርቱዕ ናህሪ’ዩ ዝጎዓዝ።
Locatie: Lent
⇒ ገምገም ባሕሪ ዋል
ኣብዚ ቦታ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኮፍ ክትብልን ክትዘናጋዕን ትኽእል።
Locatie: bij de brug, Nijmegen
ምሕንባስ ኣብ ሩባ ሓደገኛ’ዩ