እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ናይ ምውህሃድ ቛንቛ ኔዘርላንድ ምምሃር እዩ፣ ቛንቛ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት-ትምህርትታት ናይመኸን ክትማህሮ ትኽእል። እዘን ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት ድማ ነቲ ቛንቛ ኔዘርላንድ ከም ካልኣይ ቛንቛ ክምሃሮ ዝደሊ ትህምህርቲ ይህባ። ኣብ ርእሲ እዚ ወግዓዊ ትምህርቲ ኣብ ብዙሓት ቤት-ትምህርትታት ነጻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። 

Taallessen

ቛንቛ ምምሃር ገንዘብ ይኽፈሎ’ዩ፣ እዚ ድማ ካብ ልቓሕ ናይ DUO ክትከፍሎ ትኽእል፣ እዚ ልቓሕ DUO ነተን ቤት-ትምህርትታት እንተ ተቐበሊወን ጥራይ ኢኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል። ነዘን ቤት-ትምህርትታት ድማ ኣብዚ Blik op Werk-ወግዓውያን ድየን ክትረእየ ትኽእል።

እዘን ቤት-ትምህርትታት ኣብ ኔዘርላንድ ቑቡላት እየን

ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት ኣብ ናይመኸን ኣብዚ ወብሳይት ክትርኢ ትኽእል

ምሳይ ትሰማማዕ ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርቲ ከመይ ጌረ ይመርጽ?

  1. ኣቀዲምካ ወስን ከመይ ደረጃ ኔዘርላንድ ክትምሃር ትደሊ
  2. ምስ VWN ምዝርራብን ምልላይን
  3. ናብ ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት ምብጻሕ
  4. ኩንትራት ጽቡቕ ጌርካ ኣንብቦን ዋጋታት ውን ኣመዛዝኖ፣ ኣብ ናይ ኩንራት ዘይተረደኣካ ሓገዝ ሕተት!
  5. ጸቡቕ ብቕዓት ዘለዎ ምረጽ፣ ብዝኾነ መስሓቢ ህያብን ተሳሒብካ ኣይተምረጽ

Inburgering op niveau

እዘን ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት ኣየናይ ናይ ቛንቛ ደረጃ ክትወስድ ደሊኻ የዳልዋኻ፣ ኣየናይ ደረጃ ቛንቛ ክትወስድ ደሊኻ?

Inburgeringsexamen

⇒ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ኩሉ ሰብ ግዴታ’ዩ
⇒ደረጃ ቛንቛ፣ ናይ መሰረታዊ ርክብ ኣብ ኔዘርላንድ
⇒ A2 ደረጃ ቛንቛ
⇒ ኣብዚ ድማ ክሳብ A2 ደረጃ ቛንቛ ትምሃር

Staatsexamen NT2

ነዚ ደርጃ ቛንቛ ክትመርጽ ትኽእል እንተ ደኣ:
ኣብ hbo of universiteit ሞያ ክትምሃር እንተ ደሊኻ
ናይ ምውህሃድ ብዝለዓለ ደረጃ ክትገብሮ ደሊኻ

⇒ B1 ወይ ድማ B2 ትምሃር
⇒ ብከምዚ ድማ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ክሳብ NT2 ደረጃ ትምሃር
 ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ inburgeren ብመንገዲ staatsexamen NT2።

Extra modules

ብመንገዲ ቤት-ትምህርቲ ኣቢልካ ቛንቛ ኔዘርላንድ ምዝራብ፣ ምርዳእ ( ምስማዕ) ምጽሓፍ፣ ምንባብ ትምሃር። እዚ ድማ እንዳ ናብ ትምህርቲ እንዳ ተመላለስካን ዕዮ-ገዛ እንዳ ሰራሕካን ከምኡ’ውን ገለ ምንጣፍ ኣብ ኔዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፈን ድማ ፈተና ትገብር፣ ኣብ ጎኒ ናይ ቛንቛ ትምህርትኻ ድማ ተወሳኺ ኣሃዱታት ንናይ ምውህሃድካ ግዴት ትምሃር፣ ONA, KNM, ከምኡ ኮርሳት ምስ participatieverklaring ዝተሓሓዝ። ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህትኻ ONA, KNM እንተ ክምህራኻ ደለየን ክትምሃሮ ጠቓሚ’ዩ፣ ግን ኣገዳሲ ኣይኮነን።

ከመይ ጌረ ናይ ምውህሃድ ትምህርተይ ምስ ስርሐይ የተሓሕዞ?

ስራሕ ኣለካ፣ግን ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ትምሃር ኣለኻ? ስራሕን ትምህርትን ብሓንሳብ ንኸተካይዶ ዝበዝሕ ግዜ እታ ቤት ትምህርቲ ትሕግዘካ’ያ ። ንኣብነት፣ትምህርቲኻ ካብ ናይ ንግሆ ናብ ናይ ምሸት ንኽቕዩሩልካ ሕተቶም ። 

ተወሳኺ ልምምድ

ኣብ ጎኒ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣብ ናይመኸን ዝተፈላለየ መንገድታት ኣሎ ዝሓሸ ቛንቛ ኔዘርላንድ ንምምሃር፣ ኣብ ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርቲ STEP ኣብ ጎኒ ከፊልካ ትምሃሮ ዘለኻ ብውሑድ ገንዘብ ክትምሃር ትኽእል፣ ብከምዚ ድማ ቀልጢፍካ ትምሃር!

ንዝያዳ ኣንብብ ብዛዕባ ልምምድ ቛንቛ ኣብ ናይመኸን 
ኣብ ወብሳይት Yalla Foundation ጽፉፍ ሓበሬታን እኩብ ምኽርን ኣሎ ንቛንቛ ብዝቐልተፈ ንኽትምሃሮ ዝሕግዝ።