ካልእ ክፋል ናይ inburgering ድማ ona ይብሃል፣ ኣብዚ ኣሃዱ ድማ ብዛዕባ ስራሕን ምድላይ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ትምሃር። ኣብዚ ድማ ባዕልኻ ናይ ስራሕ ተመክሮ ትምርምር፣ እንታይ ብቕዓት ኣለካን፣ sollicitatiebrief ድማ ትጽሕፍ።
በዘን ዝስዕባ ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት KNMን ONA ክትምሃር ትኽእል። ኣብ ናይ ቛንቛ ቤት Radboud in’to languages እንተ መሪጽካ፣ እትምሃሮ ደረጃ ናይ ቛንቛ ዝተሓተ B1 ይኸውን።
ኮርስ
ኣብ ግዜ ናይ ona ትምህርቲ ኣብ ገዛን ኣብ ክላስን ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ትምሃር፣ ከምኡ’ውን እንታይ ዓይነት ስራሕ ምሳኻ ይሰማማዕ፣ ንዕኡ ንኽትገብር እንታይ ክትገብር ኣለካን።
ንኣብነት ክፋላት ናይዚ ኮርስ፣
⇒ Diploma-waardering
ዲፕሎማኻ ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ግምጋመ ረኺቡ ነዚ ትሰርሖ
⇒ Cv ምጽሓፍ: een CV is een overzicht van uw werkervaring, talenten en interesses.
⇒ ኣየናይ ስራሕ ምሳኻ ይሰማማዕ?
⇒ Sollicitatiebrief ምጽሓፍ
Resultaatkaarten van ONA
ኩሉ እቲ ደሊኻ ዝመላእካዮ ኣብ resultaatkaarten መሊእካ ናብ duo ትሰዶ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ዝገብርካዮን ደሊኻ ዝመላእካዮን 8 resultaatkaaren ይህልወካ፣ እዚ ኸኣ ጽቡቅ መጀምሪ’ዩ፣ ዳሕራይ ዝሰማምዓካ ስራሕ ንምድላይ።
ኣስተውዕል፣
⇒ Resultaatkaarten ብ online ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ፣ ብኸምዚ ድማ ትዕቕቦ ክጠፍኣካ ውን ኣይክእልን።
⇒ Resultaatkaarten ብዲጂታላዊ መልክዕ ሰዲድካዮ? duo ቐልጢፉ ክርእዮ ይኽእል፣ ቐልጢፍካ ድማ ፈተና ትገብር ።
⇒ ሕቶ ኣለካ ወይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ግዜ ሓገዝ የድልየካ ኣሎ?እቶም መአምሃራን ንዓኻ ንኽሕግዙ እዮም ኣብኡ ዘለዉ፣ ካብ ተምሃሮ ሓገዝ ደሊኻ? ሓደ ግዜ ኣብዚ ናይ ፈይስቡክ ግሩፕ ፈትን። Probeer uw vraag eens te stellen op deze Facebook groep: ONA – elkaar helpen.
ፈተና፣ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ምስ DUO
ኣስተውዕል፣
ብ3 የካቲት 2018 ዝተዘርግሐ ዜና ብሰንኪ ነዊሕ ምጽባይ ኣብ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ንተምሃሮ ናይ ንምውህሃድ ona ክሳብ 64 ሰዓት ዝተማህረ ናብ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ኣየድልዮን’ዩ ተባሂሉ። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ እንተ ፈሊጥና ነዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ከነመሓይሾ ኢና። ምኽሪ ንናይ ቛንቛ መምህርካ ተወከስ!
ኩሉ ዕዮታት ሰሪሕካዮ ምስ ናይ duo ሰራሕተኛ ጥራይ ዝርርብ ተሪፍካ፣ ነዚ መዓስ ከም ትሓትት መምህርካ ክትነግረካ’ያ፣ ኣቀዲምካ ኩሉ resultaatkaarten ናብ DUO ስደዶ፣ ንዝርርብ ክዕዱሙኻ እዮም። ኣብ ናይ ዝርርብ ግዜ እንታይ ጌርካ፣ ምርምርን፣ ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ተማሂርካ፣ እቲ ዝርርብ ጽቡቅ እንተ ተኻይዱ፣ ሓሊፍካ ኣለካ።