ሓንቲ ካብቲ ግዴታ ክትማሃሮ ዘለካ ክፋል ናይ inburgering KNM እዩ፣ ኔዘርላንድ ናይ ገዛእ ርእሳ ባህልን ታሪኽን ኣጠቓቕማን ኣለዋ። ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ሰባትን ኩነታትን ብሓንሳብ ብኸመይ ትኸይድ ትምሃር። ንኣብነት ነዛ ሃገር መን ይመርሓ? ኣብ ኣተሓሕዛ ጎሓፍ?
በዘን ዝስዕባ ናይ ቛንቛ ቤት-ትምህርትታት KNMን ONA ክትምሃር ትኽእል። ኣብ ናይ ቛንቛ ቤት Radboud in’to languages እንተ መሪጽካ፣ እትምሃሮ ደረጃ ናይ ቛንቛ ዝተሓተ B1 ይኸውን።
KNM እንዳ ተመሃርካ እዚ ዝስዕብ ኣርእስትታት ክትምሃር ኢኻ፣
⇒ ስራሕን ኣታውን
⇒ ክብርን ልምድን ኔዘርላንድ፣ ከመይ ጌርካ ብሓንሳብ ትጉዓዝ
⇒ ምንባር
⇒ ጥዕናን ክንክን ጥዕናን
⇒ ሰበ-ስልጣን ኔዘርላንድ
⇒ ታሪኽን ኣቐማምጣ ቅርጺ መሬት
⇒ ፖለቲካን መራሒ ናይ ኔዘርላንድን
⇒ ትምህርትን ኣተዓባብያን
ኣብ ክላስ ብትምሃሮን ዕዮ-ገዛ ብምስራሕን ድማ ነዚ ዝተባህለ ትምሃር፣ እንተ ደኣ ብዛዕባ ኩሉ ኣርእስቲ ተዛሪብካን ተማህርካን ፈተና ኽትገብር ትኽእል።
ኣስተውዕል፣
⇒ ኩሉ inburgering ክገብር ዘለዎ KNM ክምሃር ግዴታ ኣለዎ፣ ወላ ውን NT2 staatexamen ተመሃር።
⇒ ነዚ ኮርስ ንኽትምሃሮ ገለ ኔዘርላንድ ክትዛረብ ክትክእል ኣለካ፣ ምስ ናይ ቛንቛ መምህርካ ተዘራረብ ነዚ ኮርስ ንኽትምሮ ብቕዓት ናይ ቛንቛ ኣለካ ድዩ የብልካን።
⇒ ትምህርቲ ኣብ ምጅማር ነዊሕ ኣይትጸበ፣ ፈተና ንኽትገብር ነዊሕ ክትጽበ ስለ ትኽእል።
ፈተና
ፈተና ኣብ ናይ DUO መፈተኒ ቦታ ትፍተን (ኣምስተርዳም፣ ኤይንድሆቨን፣ ሮተርዳም፣ ራይስቫይክ ወይ ዝዎለ)። ነቲ ፈተና ኣብ ኮምፒተር ኢኻ ትፍተኖ፣ ኣብ ግዜ ፈተና ቪድዮ ክትሪኢ ኢኻ፣ ንኣብነት ሓደ ኣስበዛ ዝገብር ወይ ድማ ናብ ዶክተር ዝበጽሕ ዘሎ፣ ድሕሪ እዚ ቪድዮ ብዛዕብኡ ሕቶ ክመጸካ’ዩ።
መለማመዲ?
ወይ ድማ ኣብ ዩቱብ፣ ንኣብነት በዚ ናይ ሕቶ ልምምድ።
https://www.youtube.com/channel/UCapwePh9tBLXnFJ9LJM_tdA/videos