ኣብ ናይመኸን ሓድሽ ኢኻ? ሓደ ካብቲ ክፋል ናይ ምውህሃድ participatieverklaring ድማ ክታምካ ከተንብረሉ ኣለካ፣ ኣብዚ ዶከመንት እቶም ሕመረት ክብርታት ናይ ኔዘርላንድ ዝበሃሉ ተዘርዚሮም ኣለዉ፣ ‘de spelsregels van Nederland’ ኢሎም ውን ይጽውዕዎም እዮም።

ኣብ እንዳ ምምሕዳር ድማ ኣብዚ ዝተባህለ ዶኩምንት ክታምካ ተንብር እዚ ማለት ድማ ሕመረት ክብርታት ናይ ኔዘርላንድ ከም ተኽብር ትመባጻዕ ኣለኻ ማለት’ዩ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ምስታፍ፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተበግሶ ወሲድካ ንጡፍ ሙኻን፣ ከምኡ’ውን ጽቡቅን ውሑስን ሕብረተሰብ ምፍጣር።

Participatieverklaring ኣብዚ ብዝደለኻዮ ቛንቛ ከተንብቦ ትኽእል፣ (ኔዘርላንድ፣ እንግሊዘኛ፣ ዓረብ፣ ትግርኛ፣ ሶማል፣ ፈረንሳ፣ ፋርሲ፣ ካልእን)

ቃል ማሕበራዊ ተሳትፎ | Participatieverklaring

ቕድሚ ነዚ participatieverklaring ምፍራምካ እንተወሓደ 1 መዓልቲ ብዛዕብኡ ኮርስ ክትወስድ ኣለካ፣ ኣብ ናይዚ ኮርስ ግዜ ድማ ክብርታት ናይ ‘ናጽነት፣ ማዕርነት፣ ሓድነት፣ ተሳትፎ ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ምኻኑ ብልክዕ ክትምሃሮ ኢኻ።

ኣብ ገለ ኮርሳት ድማ ብዝያዳ ብዛዕባ ክብርታት ኔዘርላንድ ክትምሃሩ ኢኹም፣ ከምኡ’ውን ኣብነታት ኣብ ናይ መዕላታዊ መነባብሮኹም ትዘራረብ፣ ንኣብነት መልሲ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት እምነት ኣለዎ? ኣብ ምርጫ መን ክሳተፍ ይኽእል? ደቀ-ተባዕትዮን ደቀ-ኣንስትዮን ማዕረ መሰላት ኣለዎም’ዶ?

Participatieverklaring ምፍራም

ድሕሪ ብዛዕባ participatieverklaring ምምሃርካ ኣብ እንዳ ምምሕዳር ኣብዚ ዝተባህለ ዶኩመት ክታምካ ተቐምጥ። ፈተና ኣይኮነን፣ እዚ ቓለ መግለጺ እንተ ፈሪምካሉ ኣብ ሕመረት ክብርታት ኔዘርላንድ ገለ ኣምር ከም ዘለካ መረጋገጺ’ዩ። መንግስቲ ኔዘርላንድ ነዚ ከም ናይ መጀረያ ናይ ምውህሃድካ ይርእዮ።

ኣስተውዕል፣
ኣብዚ participatieverklaring ኽትፍሩም ግዴታ’ዩ፣ ኣይፈረምካን? ናይ 340 ኤውሮ መቕጻዕቲ ክመጸካ ይኽእል። ስለዚ ኣብ ዝተባህለ ግዜ ነዚ ቓለ-መግለጺ ፈርሞ።