ድሕሪ ናይ መንበሪ ፍቃድ ምስ ወሰድካ ድሕሪ 2 ሰሙን ኣቢሉ ምስ COA ብምትእስሳር ናብ ሓደ ምምሕዳር ኣብ ኔዘርላንድ ይውዝዑኻ፣ኣብዚ ኸኣ ኩሉ ግዜ ምስ ስራሕካ፣ትምህርትኻ፣ናይ ጥርናፈ ስድራቤት ኣብ ግምት ብምእታው እዮም ዝሰዱኻ፣ኣብዚ ተመዲብካዮ ዘለኻ ምምሕዳር ድማ እዞም woningbouwcorporatie ዝበሃሉ ምሳኻ ዝሰማማዕ ገዛ የናዱዩልካ።

⇒ ኣብቲ ምምሕዳር ድማ ከም ተጸባያይ መንበሪ ዄንካ ትምዝገብ፣ኣብ ዝበዝሕ ምምሕዳራት ከም ሓታቲ ዕቁባ ቀዳምነት እዩ ዝወሃበካ፣ምምሕዳር ነዚ ባዕሉ እዩ ዝውስኖ።
⇒ ሓደ ዕድል ናይ ገዛ ትረክብ፣እንድሕር እቲ ዝተዋህበካ ገዛ ብመጠኑ ዝሰማምዓካ ናይ ግድን ክቅበሎ ኣለካ። ወይ ድማ ርትዓዊ ምኽንያት ከተቕርብ ኣለካ። እዚ ኣይገበርካን፣እቲ ናይ ቀዳምነት ዕድል ድማ ትኸስር፣ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን COA ክትሓድጎ ኣለካ፣ከም እንደገና ትምዝገብ፣ግን ኣብቲ መጸበዪ ኣብ መወዳእታ ኢኻ ትምዝገብ። እዚ ዘስምዕ  ድማ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ የለን ማለት’ዩ ፣ኣብዚ ድማ ባዕልኻ ርስክ ትወስድ ኣለኻ፣እዚ ድማ ክሳብ ኣብ ጎደና ንኽትነብር ንኽትብል ከብጽሕካ ይኽእል’ዩ።

Meer informatie over huisvesting van nieuwkomers

ንዝያዳ ሓበሬታ ንሓደሽቲ ገዛ ዝደልዩ፣ overheid

ባዕለይ ምምሕዳር ክመርጽ ይኽእል ዶ?

መሰርታዊ ኣይፍቀድን’ዩ፣ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ምሉእ ኔዘርላንድ እዮም ፋሕ ዝብሉ።COA ዝበዝሕ ግዜ ካብቲ ዘለኻዮ ካምፕ ከይረሓቁ ገዛ ንኽረኽቡልካ ይፍትኑ፣ዝርርብ ምስ COA ኣብ ዝሃልወካ ኣየናይ ምምሕዳር ከም ትደሊ ክትሕብር ትኽእል፣ኩሉ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ ማለት ኣይኮነን ኣብኡ ገዛ ንኽትረክብ፣ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ርሑቅ ቦታ ገዛ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ፍሉያት ነገራት ኣለው፣በዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ምስ ምምሕዳር ክትትሓዝ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።
⇒ ካብ ናትካ ስድራ ኣብኡ ዝቕመጡ እንተ ደኣ ሃልዮም።
⇒ ኣብቲ ምምሕድዳር ሕህህሕሕፕፖኦጅጆኢጅስድጅልሎኢስድጅስሶኣድጅጆኣስስድህግድድስhhhህጅጅክክጅጅክብጅክሕዳር ትምሃር ኣለኻ፣እዚ ግን መግዕእዊ ትምህርቲ ማለት Inburgering ወይ ናይ ቋንቋ ዘይኮነ ማለት’ዩ፣ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ካብ DUO ከም ዝተመዝገብካ መረጋገጺ የድልየካ።
⇒ ኣብቲ ምምሕዳር ትሰርሕ እንተ ደኣ ዄንካ፣እዚ ማለት ድማ እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ናይ 8 ሰዓታት ኩንትራት ክህልወካ ኣለዎ፣እቲ ናይ ኩንትራትካ ወይ ድማ ናይ ዶመዝካ ንCOA ከተርእዮም ኣለካ።
⇒ ብ ኣገዳሲ ሕክምናዊ ፍወሳ ኣብቲ ትሕከመሉ ዘለኻ ምምሕዳር ጥራይ ክኸውን ዝኽእል።

ነቲ በጺሕኒ ዘሎ ምምሕዳር ክቅይሮ ይኽእል ዶ?

ኣይከኣልን፣ግን ኣብ ገለ ፍሉይ ነገራት እንተ ዘይኮይኑ፣ሓደ ሓደ ግዜ ገዛ ኣብ ምጽባይ እከለኻ ኣብ ምምሕዳር ገለ ምቅይያራት ክህሉ ይኽእል። ትምህርቲ ክትምሃር ፣ስራሕ ረኺብካ ወይ ኣገዳሲ ሕክምናዊ ፍወሳ ኣለካ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ተመዝጊብካ ከለኻ?ን COA ሓብር። COA ኣብቲ ስራሕ ፣ትምህርቲ ወይ ድማ ትሕከመሉ ዘለኻ ቦታ ተኽእሎታት ናይ ገዛ ክርእዩልካ እዮም።

ገለ ምኽርታት፥

⇒ ብቐጥታ ምስ COA ተዘራረብ ብዛዕባ ተኽእሎታት።
⇒ ብዝተኻእለካ መጠን ርትዓዊ ጭብጢ ከተቕርብ ኣለካ ስለምንታይ ናብ ፍሉያት ምምሕዳራት ክትመርጸን ክኢልካ። (ንኣብነት ስድራ፣ትምህርቲ፣ወለንታዊስራሕ(ስራሕ)፣ኣገዳሲ ሕክምናዊ ፍወሳ ወይ ድማ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ምምሕዳር።
⇒ ወለናትዊ ስራሕ ነቲ ተመዝጊካዮ ዘለኻ ምምሕዳር ከቐይረካ ኣይክእልን ግን ነቲ ዕድላት ከግፍሓልካ ይኽእል። ብዙሕ ጭብጥታት እንተ ኣምጺእካ ናብቲ ሓቲትካዮ ዘለካ ምምሕዳር ንኽሰልጠካ ዕድል ይኽፍተልካ።
⇒ ሓገዝ ሕተት ንኔዘርላንዳዊ ዓርክኻ ወይ ወለንተኛታት! ኣብ facebook groep ኩሉ ግዜ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል facebookgroep Refugees in the Netherlands Nijmegen