ኣብ ካምፕ ትቕመጥ ከምኡ’ውን መንበሪ ፍቃድ ኣለካ? ካብቲ ካምፕ ወጻኢ ዄንካ ገዛ ክትጽበ ከም ዝከኣል ትፈልጥ ዲኻ? COA ነዚ Logeerregeling ኢሎም ይጽውዕዎ፣ብከምዚ ድማ 3 ወርሒ ምስ ካልእ ሰብ ክትቕመጥ ትኽእል፣ COA ኣብዚ ይድግፉኻ እዮም፣እቲ ናይ ሰሙናዊ ገንዘብካ ድማ ትቕበል ገዛ ናትካ እንዳ ተጸበኻ ማለት’ዩ ኣብ ቦታ ናይ COA ትነብር ስለ ዘየለኻ ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ትረክብ።
እንድሕር ደኣ ንግዝያዊ ምስ ካልእ ትቕመጥ ኣለካ ፣ወግዓዊ Logeerregeling ተጠቂምካ ብናይ COA ውሕስነት ይህልወካ፣ከምኡ’ውን ካብ COA ናይ ሰሙናዊ ገንዘብ መሰል ይህልወካ፣ተወሳኺ 100 ኤውሮ ሰሙናዊ ትረክብ። እዚ ገንዘብ ድማ ነቶም ትቕመጠሎም ዘለኻ መኽፈሊ ንኩኾነካ ይውሃበካ፣COA ገለ ሕግታት ናይ እዚ ኣለዎ። እዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣለካ።
Regels voor de Logeerregeling
U moet:
⇒ መንበሪ ፍቃድ ክህልወካ ኣለዎ
⇒ burgerservicenummer (BSN) ክህልወካ ኣለዎ
⇒ ዕድመኻ እንተ ወሓደ 21 ክኸውን ኣለዎ
⇒ ኣብቲ ክትቕመጦ ትሓስብ ዘለኻ ምምሕዳር ክትምዝገብ ኣለካ
⇒ ብዛዕባ ምውሳድ ናይ ገዛ ምስ COA ዝርርብ ከምዝገበርካ
ከምኡ’ውን ባዕልኻ እትገብሮ፣
⇒ ወግዓዊ ዝበዝሕ ግዜ ሰሙናዊ ኣብ ናይ COA ቦታ ህላውነትካ ትሕብር
⇒ ኣብ ናይ መወዳእታ ወርሒ ናይ እቲ 3 ወርሒ ብመልክዕ ፎርም ከም ዝተመለስካ ትሕብር
Wilt u regelen dat u bij iemand kan wonen? ምሳኻ ሓደ ሰብ ንግዝያዊ ክነብር ደሊኻ?
ከምዚ ክትገብር ደሊኻ? ምስ ሰራሕተኛታት ናይ COA ናይቲ ዘለኻዮ ቦታ ተዘራረብ።
ኣስተውዕል!
⇒ ንስኻ ንዝኾነ ሕክምናዊ ፍወሳ ከም ዘየድየካ ኣገዳሲ’ዩ
⇒ ኣቖልዑት ኣለውኻ? ደቕኻ ናይ ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ’ዩ፣ስለዚ ኣብቲ ከባቢኻ ቤት ትምህርቲ ክህልው ኣለዎ ደቅኻ ክምሃርሉ ዝኽእሉ።
⇒ ኣቖልዑት የብልካን? ካብ እቲ ካምፕ ዘለኻዮ ምምሕዳር ወጻኢ logeeradres ክትሰርዕ ትኽእል፣ኣስውዕል ኣብዚ ዝኸድካዮ ምምሕዳር መሰል ናይ ገዛ ምርካብ የብልካን፣ሓንቲ ዘላ ዕድል እንድሕር ደኣ ኣብዚ ዘለካዮ ምምሕዳር ስራሕ እንተ ረኺብካ ምምሕዳርካ ክትቕይር ትኽእል።
⇒ ነዚ logeerregeling ንሰለስተ ወርሒ ክትጥቀመሉ ትኽእል፣ድሕሪኡ ናብ እቲ ካምፕ ክትምለስ ፣ኣብዚ ግዜ እዚ ንከተናውሖ ዘሎ ተኽእሎ ንኽትሪኢ ምስ COA ርክብ ትገብር ኣለካ።እዚ ሕጊ ድማ ክሳብ ገዛ ትረክብ የገልግል።
⇒ ከምኡ’ውን ኣብ logeeradres ወላ ደኣ ቀይር እንበር ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ COA መጺእክ ህላውነትካ ከተረጋግግጽ ኣገዳሲ’ዩ፣እዚ ኸኣ ወላ ኣብቲ ዘለኻዮ ምምሕዳር ኣብ COA ክትሕብር ይከኣል፣ብዛዕባ እዚ ምስ ናይ ገዛ ርእስኻ AZC ተዘራረብ።
ኣአንጋዲ ከመይ ጌረ ይረክብ?
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምስ የዕሩኽትኻ ወይ ድማ ስድራቤት ክትጸንሕ ትኽእል፣ ሰባት ንኽትላለ ምናልባት መደቐሲ ዝደልዩ ድማ፣እዚ ክትገብሮ ድማ፥⇒ ሓደ Gastgezin በዚ ወብሳይት website takecarebnb. ክትረክብ ትኽእል፣ኣብዘን ውድባት ባዕልኻ ክትምዝገብ ትኽእል www.takecarebnb.com እዚ ወብሳይት ሓደ ብጻይ ክረኽበልካ ይኽእል ንግዝያዊ ትጸንሓሉ።
⇒ ኣብ Refugees the Netherlands Nijmegen groep op Facebook. ብምልጣፍ ድማ logeeradres ትደሊ ከም ዘለኻ ትሕብር።
ናይ መጽንሒ ገዛ ምስ ረኸብካ ንናይ ስምምዕ መጣጥሒ እዚ ዝስዕብ ፎርም ክትፍርመሉ ኣገዳሲ’ዩ፣እዚ ፎርም ኣቢቲ ትኸደሉ ናይ መጽንሒ ቦታ ምስ ውልቀ-ርክብ ሰብ ብሓንሳብ ብሙኻን ትመልኦ።
⇒ formulier logeerovereenkomst
ንሓደ ሰብ ኣብ ገዛኻ ንግዝያዊ ከተቐምጦ ደሊኻ?
ሓደ ሰብ ምሳኻ ክነብር መጺኡ? መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ንግዝያዊ ክጸንሕ ይኽእል ግን ወግዓዊ ኣብ ናትካ ኣድራሻ።ካብ ናይ COA ቀረባት ይረክብ ስለ ዘየለ ወርሓዊ ተወሳኺ ይቕበል።ብከምዚ ድማ ንስኻ በቲ ንሱ ዝቕበሎ ዘላ ነቲ ናትካ toeslag ክጸልዎ ይኽእል።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ informatie over de logeerregeling
ኣብዚ takecarebnb ባዕልኻ ተመዝጊብካ ድማ መጻምድቲ ክትደሊ ትኽእል፣ከምኡ’ውን ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓደ ነጻ ቦታ ከምዘለካ ክትልጥፎ ትኽእል ንኣብነት facebook groep Refugees in Netherlands Nijmegen.
⇒ takecarebnb
⇒ facebookgroep Refugees in Netherlands Nijmegen.