Radboud University Nijmegen is conducting a new and unique study on the way the human brain works, and what is the best way to reach a healthy level of brain? What is the effect of sleep, stress, food and the things we experience every day? There are many who participated in this study and the field is now open for more participants or participation If you are one of those who want to contribute to a happier future for you or for people of religion you care about. These are the terms of participation: Are you ■ Between 30 and 40 years old ■ Live in or around Nijmegen ■ Are you curious how your mind affects your daily life?! What does this mean? ■ For three weeks a year, you wear activity meters, such as a sleep belt, and fill out questionnaires. ■ She comes to Radboud's campus three days a year for various measurements. For example, you take a fitness test, blood is drawn from you and a free picture of the brain is taken . There is a fee for this post ■ Minimum compensation of 150 euros ■ Measurement results via your own online environment ■ Free brain image ■Three fun days on the Radboud Campus To Participate? www. thirty gersbrain.nl info@ thirty gersbrain.nl 06-50008389

ራውዳባት ዩኒቨርሲቲ ናይመኸን፡ ብዛዕባ ናይ ደቂ-ሳባት ሓንጎል ብከመይ መንገዲ ይስርሕ? ጥዕና ዘማልአ ሓንጎሎ ክህልወና

ራውዳባት ዩኒቨርሲቲ ናይመኸን፡ ብዛዕባ ናይ ደቂ-ሳባት ሓንጎል ብከመይ መንገዲ ይስርሕ? ጥዕና ዘማልአ ሓንጎሎ ክህልወና እንታይ ምግባር ይከኣል? ናይ ድቓስ ሳዕቤን እንታይ ይመስል? ኣብ ግዜ ጭንቀት፡ መግቢ ብሓፈሽኡ ኣብ ኩሉ ዘጋጥመና ተሞኽሮታት ሂወት ብዝምልከት ፍሉይ ዝኾነ መጽናዕቲ ኣብ ምስልሳል ይርከብ። ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብዚ መጽናዕቲ  ተገዳስነትን ሱታፈን ኣርእዮም እዮም።  ስለዚ እዚ መጽናዕቲ ካብዚ ሕጂ እዋን ንኩሎም ተሳተፍቲ ክፉት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ መጽናዕቲ ተገዳስነት ምስዝህልወካ: ንካልኦት ኣበርክቶ ክትገብር ምስ ትደሊ: ኣብዚ መጽናዕቲ ተሳተፉ።

ቅጥዕታት ናይ ተሳታፍነት ድማ ዝስዕቡ እዮም።

  • ዕድመ: ኣብ ሞንጎ 30-40 ዓመት
  • ኣብ ከባቢ ናይመኸን ዝቅመጥ
  • ተገዳስነት ብዛዕባ ጽልዋ ኣእምሮና ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘለዎ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ዓመት ንሰለስተ ሰሙን: ናይ ንጥፈታት መዐቀኒ መሳርሒ ምውዳይ:  እንተላይ ኣብ ግዜ ድቃስ፡ ምምላእ መልሲ ቅጥዕታት የጠቃልል።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይመኸን ኣብ ዓመት: ንሰለስተ መዓልታት ምምጻእን ዝተፈላለዩ መርመራታት ምክያድ ንኣብነት፡ ናይ ኣካላዊ ብቅዐት መርመራ፡ ናይ ደም መርመራ: ከምእውን ናይ ሓንጎል ስእሊ ነጻ ዝኾነ ይውሰድ።

ናይ ተሳታፍነት ሞሳ (ዓስቢ) ድማ ነዚ ይመስል።

  • ዝወሓሰድ ክፍሊት 150 ኤይሮ
  • ውጺኢት መርመራን መጽናዕትን
  • ናይ ሓንጎል ስእሊ ብነጻ የወሃበካ
  • ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይመኸን ደስ ዘብል ግዜ ተሓልፍ።

ክትሳተፈ ምስ ተደሊ በዚ ተወከስ:

Www.dertigersbrein.nl

Info@dertigersbrein.nl

06-50008389

Read More
التطعيم ضد كورونا في هولندا

ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ክታበት ኣንጻር ኮሮና እንታይ ማለት እዩ
ክታበት ኣንጻር ኮሮና፣ ናይ ኮሮና ቫይረስ ከይሕዘኩም ይከላኸለልኩም።
ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኩም 2 ግዜ ብመርፍእ ክታበት ክትቕበሉ ኢኹም።
እቶም መራፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ በቲ ቫይረስ ንኽትሓሙ ዘለኩም
ዕድል ዝወሓደ ይኸውን።
ኣብ ኣካልኩም እንታይ የጋጥም
ብምኽንያት እቲ ክታበት፣ ኣካልኩም ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ጸረ-ጓና
ባእታታት ይፈጥር።
በዚ ምኽንያት ኣካልኩም ድሕሪ እቲ ክታበት ነቲ ቫይረስ የለልዮ።
ስለዚ ኣካልኩም ቀልጢፉ ነቲ ቫይረስ ክቐትሎ ይኽእል። ንስኹም ኣይትሓሙን ወይ ከኣ ብዙሕ
ኣይትሓሙን።
እቲ ክታበት ንኽንደይ እዋን ኣንጻር ኮሮና ከምዝከላኸል ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ።
እዚ ውሑስ ድዩ
እቶም ክታበታት ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ብቕልጡፍ እዮም ተሰሪሖም።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ክታበት ብዝምልከት
ብምትሕብባር ይሰርሑ ስለዝነበሩ እዩ።
ዝኾኑ ዝተሰግሩ ነገራት የለዉን። ከምኡ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ክታበት
ንምስራሕ ዝምልከቱ ሕጊታት ኣዝዮም ተረርቲ ስለዝኾኑ።
እቶም ክታበታት ተሰሪሖም ምስተወድኡ፣ ውሕስነቶም ንምርግጋጽ ተመርሚሮም እዮም።
እቶም ክታበታት፣ ኤማ [EMA] ብዝተባህለ ኤውሮጳዊ ተቕዋም መድሃኒታት ብቚዓት ምዃኖም
ጸዲቆም እዮም።
ቦርድ ግምገማ መድሃኒታት [CBG] ዝተባህለ ናይ ኔዘርላንድ ተቕዋም ኣካል ናይዚ እዩ።
ጎድናዊ-ሳዕቤናት
ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ክታበታት ዘጋጥም፣ ድሕሪ እቲ ክታበት ምልክታት-ሕማም ከጋጥመኩም
ይኽእል እዩ። እዚ ጎድናዊ-ሳዕቤናት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ንኣብነት ካብዞም ዝስዕቡ ጸገማት ከጋጥመኩም ይኽእል፡
• ቃንዛ ኣብቲ ንኽታበት መርፍእ ዝተወጋእክምሉ ቦታ
• ቃንዛ ርእሲ
• ድኻም ዘለካ ምዃን
• ቃንዛ ጭዋዳ
• ረስኒ
እዚኦም ምልክታት-ሕማም መብዛሕትኡ እዋን ካብ 1 ክሳብ 3 መዓልቲ ይጸንሑ።
2ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ካብቲ 1ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ንላዕሊ
ዝያዳ ጸገም ናይዚኦም ምልክታት-ሕማም ክህልወኩም ይኽእል።
ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ጥራይ ኢና ንሕና ልክዕ ብርግጽ ክንፈልጦ እንኽእል፣ እንተኾነ
ግን ዳሕራይ ካልኦት ምልክታት-ሕማም ንኸጋጥመካ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ክታበት ብዙሓት ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ኣጋጢምኩም፣ ናብ ሓኪምኩም
ደውሉ።

እቲ ክታበት ንመን ዝዓለመ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ዕድመኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት፣ ክታበት ንምውሳድ ናይ ዕድመ
ደብዳቤ ክቕበሉ እዮም።
ንነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንምኽታብ ዝከኣል ኣይኮነን።
እንተድኣ ሪጋኹም በጺሑ፣ ኣብ ገዛኹም ሓደ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ክትቕበሉ ኢኹም።
ኣብዚ እዋን 3 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበታት ኣለዉ።
ንስኹም ኣየናይ ዓይነት ክትቕበሉ ምዃንኩም ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
መዓስ ዘይምኽታብ
ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት ናብ ሓኪምኩም ደውሉ፡
• ቅድሚ ሕጂ ሓደ ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም ሓሳስያ ማለት ኣለርጂ ገይርልኩም
እንተድኣ ነይሩ ኮይኑ
• 1ይ መርፍእ-ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ እንተድኣ ኣዝዩ ሓያል ሓሳስያ ማለት
ኣለርጂ ገይርልኩም
ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት፣ ነቲ ክታበትኩም ናብ ካልእ ግዜ ከተሰጋግርዎን፣ ሓድሽ ቆጸራ
ክትገብሩን ዝሓሸ እዩ፡
• እንተድኣ ኣዚኹም ሓሚምኩም ወይ ልዑል ረስኒ ምስ ዝህልወኩም
• እንተድኣ ኮሮና ኣለኩም ኮይኑ
• እንተድኣ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኮሮና ንዘለዎ ሰብ ዘጋጥምዎ ምልክታት-ሕማም
ኣለውኹም ኮይኖም
• መርመራ ናይ ኮሮና ገይርኩም ነይርኩም እንተኾይንኩምን፣ ውጽኢቱ ገና ዘይፈልጥኩም
እንተኾይንኩምን
• እንተድኣ ምስ ሓደ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ተራኺብኩም ነይርኩም ኮይንኩም
ነፍሰጾር
ነፍሰጾር ዲኺ? ስለዚ ነቲ ክታበት ክሳብ ድሕሪ ጥንሲ እንተሰጋገርክዮ ይሓይሽ።
ሕማም ናይ ኮሮና ኣዚዩ ከምዘጥቕዓኪ ክገብር ዝኽእል ሕማም እንተድኣ ኣለኪ ኮይኑ፣ ምኽታብ
ሓደ ሓደ ግዜ ተመራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እንታይ እንተገበርኪ ከምዝሓይሽ ንምሕታት
ናብ ሓኪምኪ ደውሊ።
ድሕሪ እቲ ክታበት
ድሕሪ እቲ ክታበት፣ ነቶም ሓፈሻዊ ምኽሪታት፣ ከም በዓል ኣእዳውካ ምሕጻብን ርሕቐት
ምሕላውን ዝኣመሰሉ ምኽታልኩም ገና ቀጽሉ።
እንተድኣ ምልክታት-ሕማም ናይ ኮሮና ኣጋጢምኩም ተመርመሩ።
ድሕሪ እቲ ክታበት፣ ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሰባት ከተመሓላልፉ ትኽእሉ ምዃኑን ዘይምኻኑን
ገና ኣይተፈልጠን።
ከምኡ እውን ገና በቲ ቫይረስ ክትሓሙ ናይ ምኽኣል ዕድል ኣሎ።
እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት
ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡
ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1351 ደውል።

read more

Read More
Tigrinya Voorzijde Handboek

Download het Welcome to Nijmegen handboek

ኣብ ናይመኸን ሓድሽ ዲኻ? እዛ ንእሽቶ መጽሓፍን ድረ-
ገጽ WWW.WELCOMETONIJMEGEN.NL/TIR መኣዝንካ
ክትፈልጥ ክሕግዘካ’ዩ። ከምኡ’ውን ብቋንቋታት ዳች፡ ዓረብን
እንግሊዘኛን ተዳልዩ ኣሎ።

Download pdf’s:

⇒ Handboek Tigrinya Welcome to Nijmegen Yalla 150518

Handboek Nederlands Welcome to Nijmegen Yalla_40418

 Handbook English Welcome to Nijmegen_Yalla_40418

⇒ Handboek Arabisch Welcome to Nijmegen Yalla_60618

 

Read More
19800570_135836330331873_2841530807482177990_o

ወግዒ ክንክን ጥዕና | Zorgcafé

zorgcaféዝኾነ ጥዕናዊ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ? ፣ብሓንሳብ ሻሂ እንዳ ሰተኻ፣ኣብ ወግዒ ክንክን ጥዕና ብቀሊሉ ክትሓት ወይ ምኽሪ ፣ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ሓደ ሓደ ግዜ ውን ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እንተ ኼንካ ወለንተኛታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

  • ሰሉስ    12፡00 ድቀ- 16፡00 ድቀ
  • ሮቡዕ    13፡00 ድቀ- 17፡00 ድቀ
  • ዓርቢ    13፡00 ድቀ- 17፡00 ድቀ

ወግዒ ክንክን ጥዕና ዝተፈላለዩ ወለንተኛታት ሓገዝቲ ኣለዋ። ንኣብነት ከም ኣስተርጎምቲ እንግሊዜኛ፣ትግርኛ፣ዓረብኛ።

ኣስቶርጎምቲ ቀጻሊ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክህሉዉ ኣይክእሉን ይኾኑ።ኣብ ወግዒ ክንክን ጥዕና ወይ ኽዘልኽ ኣስቶርጋሚ ምዓስ ኣሎ ክትውከስ ትኽእል።ወግዒ ክንክን ጥዕና/ኸዘልኽ ንሓደስቲ ወለንተኛታት ኩሉ ግዜ ክፉት’ዩ።ነዘርላንድ ቃንቃ ትዛረብ እንተኼንካ ደስ እንተ ኢልካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፣ወይ ድማ ኣብ ናይመኸን ነዊሕ/ሓጺር ዝተቀመጥካ፣ኣብ ንጥፈታት ምሕጋዝ ኩሉ ግዜ ይከኣል።

Zorgcafé | Gezellig (ኣብ ትሕቲ እንዳ VWN)
Ganzenheuvel 56, Nijmegen

Read More
Nijmegen legt contact op facebook Welcome to Nijmegen

ኣብ ናይመኸን ብፈይስቡክ ርክብ ምፋጣር | Nijmegen online

ኣብ ግሩብ ማሕበር ምኻን ወይ ገጽ(page) ምስዓብ ።ሓደስቲ ሰባት ወይ ነባራት የላልየካ። ኣብዚ ነብስካ ተላሊ ክእለትካ። ምስ ሰባት ብዙሕ ርክብ ምፍጣር ናብ ቅድሚት የሰጉመካ። ወላ ውን ንእሽተይ ጸገም ኣብ ግሩብ ፈይስቡክ  ክትሕገዝ ትኽእል።

  • Eri Nijmegen Community
  • Refugees in Netherlands Nijmegen

    ኣብ ናይመኸን ሓድሽ ዲኻ(ኣብ ካምፕ፣ገዛ፣ወይ ተማሃራይ )ወይ ነዊሕ ዝተቀመጥካ ምስ ሓደስቲ ርክብ ክህልወካ ትደሊ። ኣብ ግሩብ ፈይስቡክ ብቀጥታ ክትሕብር ትኽእል። በዚ ብቀሊሉ ርክብ ክትገብር ትኽእል። ኣትጥፋእ!
  • Spullen voor statushouders Nijmegen

    ንብረት የድልየካ’ሎ ንገዛኻ? ኣብዚ ገጽ ፈይስቡክ ንብረት ናይ ገዛ ክትረክብ . ብነጻ ክትወስዶ ትኽእል።
  • Independent Volunteers Nijmegen
    Nijmegen legt contact op facebook Welcome to Nijmegen
    ሓደ ሓደ ግዜ ንሓደሽቲ ሰባት ትሕግዝ’ዶ ሕቶ ይህልወካ ሕቶኻ ንመን ክትሓቶ ትኽእል ። ንኣብነት ካብ ፍሉኽትሊንቨርክ(VWN)ወጻኢ ወለንታዊ ስራሕ ይህልወካ ።ኣብዚ ግሩብ ክትሓትትን፣ፍልጠት ክትለዋወጥን፣ሓገዝ ክትረክብን ትኽእል።
  • Welcome to Nijmegen

    ፈይስቡክ ገጽ ዝቆመት ንናይመኸን፣ሓደሽቲ መጻእቲ ፣ከባብያዊ ዜና፣ካልእን።  ምስዓብን ተከታታሊ ሃድሽ ሓበሬታ ኩን!
  • Welcome to the Neighbourhood (Lent Griftdijk)
  • Talenten Team Lent
  • Gezellig Nijmegen (ontmoetingscentrum)

Read More
gezellig statushouders nijmegen

ምምጻእ ናብ ማእከል ቦታ ኸዘልኽ | ontmoetingscentrum Gezellig

ኸዘልኽ ማለት ሓደ ማእከል መራኸቢ መላለዪ ቦታ ኣብ ናይመኸን እዩ።እዚ ቦታ እዚ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓታት 13፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብ ዘሎ ክፉት’ዩ።

ኣብዚ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡

⇒ ምጽዋት ተኒስ
⇒ ምልላይ ሓደስቲ ሰባት
⇒ ቡን ወይ ሻሂ ምስታይ
⇒ ሓበሬታታት ምልውዋጥ
⇒ ልምምድ ቃንቃ ነዜርላንድ
⇒ ኣብ ዝኮነ መደባት ምትሕግጋዝ

እዚ ማእክል ቦታ ኸዘልኻብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ እንዳ ፍሉኽትሊንወርክ (VWN) ይርከብ።
ሓደ ግዜ መጺእካ/ኪ ርአዮ።

Gezellig Nijmegen

Ganzenheuvel 56
Nijmegen, The Netherlands
Ma/Mo – Vrij/Fri
13.00-17.00

Read More