ወርሓዊ ናይ ውሕስነት ክንክን ትኸፍል እቲ ትኸፍሎ ኣብቲ መሪጻዮ ዘለኻ ዓይነት ናይ ውሕስነት ክንክን ይሙርኮስ። ከም ሓደ እኩል ሰብ ናብ ሆስፒታል እንድሕር ክትረአ ዄንካ ወይ ድማ ናይ ገዛ ሓኪምካ ዝግዛእ መድሃኒት እንተ ሂብካ ወይ ካልእ ፍሉይ ክንክን ኣድልይካ ኣቐዲምካ 385 ኤውሮ ክትከፍል ኣለካ፣እዚ ባዕልኻ ትኸፍሎ።

ነቲ ናይ ውሕስነት ክንክን ዝህበካ ዘሎ ትካል ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ መድሕን (eigen risico) ብኸፊል ክትከፍሎ ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ ሕተቶ ፣ዝበዝሓ ናይ ውሕስነት ዝህባ ትካላት ኣከፋፋል/ከፋፊልካ ከም ትኸፍል  ይገብራ እየን ። እንተ ደኣ ብኸፊል ትኸፍሎ ኣለኻ ኣብ ሓደ ግዜ ንኽትከፍሎ ኣይክትግደድን ኢኻ፣ እዚ ድማ ካብ ናይ ቑጠባ ጸገም ክከላኸለልካ ይኽእል።

እቲ ናይ መሰረታዊ ናይ ውሕስነት ክንክን ዝበሃል ንኹሉ ብሓፈሻ ይሽፍነልካ ንኣብነት ምብጻሕ ናብ ገዛ ሓኪም ምብጻሕ፣ከምኡ’ውን ናይ ክንክን ናይ ደቕኻ። እዚ ግን እኹል ሰብ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ተወሳኺ ክንክን ዘድልዮ ፣ (ንኣብነት ናብ ሆስፒታል ምኻድ ተራፒ ወይ ድማ መድሃኒት ኣድሊካ) ኣቀዲምካ ናይ ግድን 385 ኤውሮ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን eigen risico ይበሃል።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን (385) …

⇒ ንኹሉ ሰብ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ።
⇒ እዚ ናይ ዓመት ሕሳብ’ዩ ነፍሲወክፍ ዓመት ካብ 1 ጥሪ ከም እንደገና ናይ መጀመርታ 385 ኤውሮ ንፍሉይ ክንክን ባዕልኻ ትኸፍል።

እዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን ነዞም ዝስዕቡ ኣየጠቓልልን’ዩ …

⇒ ናይ ቆልዑ ናይ ክንክን ጥዕና ኩሉ ግዜ ብናይ መሰረታዊ ውሕስነት ክንክን ይኽፈል

⇒ ቆጸራ ምስ ናይ ገዛ ሓኪም ብናይ መሰረታዊ ውሕስነት ክንክን እዩ ዝኽፈል

⇒ እዚ Eigen risico ኣብ basisverzekering ጥራይ’ዩ ዝሰርሕ። እንተ ደኣ ኣብ Aanvullende verzekering ከለኻ ዝኾነ ክንክን ኣድልይካ ን Eigen risico ትኸፍሎ የብልካን፣ ንኣብነት ናይ ገዛ ሓኪምካ ፊዚኦተራፒ ከም ዘድልየካ እንተ ሓቢርካ፣ aanvullende verzekering ክሳብ 9 ግዜ ፊዚኦተራፒ ክትገብር ትኽእል፣ወላ ውን እዚ 9 ግዜ እንተ ተጠቀምካ Eigen risico ኣይትኸፍልን ኢኻ።

እዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን ከመይ ጌርካ ትኸፍሎ?

ኣብ ዝበዝሕ ጉዳያት ካብ ናይ ውሕስነት ክንክንካ ብቐጥታ’ዩ ንሆስፒታላትን ንፋርማሲታትን ዝኽፈል።እቲ ዝኽፈል ድማ 385 ኤውሮ ወይ ድማ ካብኡ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል ዳሕራይ ተመሊስካ ንናይ ውሕስነት ትህበካ ትካል ትኸፍላ፣ሕሳብ ናቱ ክንደይ ምኻኑ ክትቕበል ኢኻ።

ኣስተውዕል፣
እቲ ናይ ክንክን ዝተኸፍለልካ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ፣እዚ ከኣ ክትከፍሎ ኣለካ።እንተ ደኣ Eigen risico ብከፊል ትኸፍሎ ኔርካ እዚ ኣይምልከተካ’ዩ።

ምክፍፋል ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን! ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን ከፋፊልካ ንኽትከፍሎ ናይ ክንክን ውሕስነት ዝህቡኻ ዘለዉ ትካል ክትሓቶም ትኽእል። እዚ ምኽፋል ድማ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ዝኾነ ነገር ምግጣሙ ትኸፍሎ። ኣብ ኣዋርሕ ከፋፊልካ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቅድሚ 1 ጥሪ ክትሓትት ኣለካ፣ በዚ ኣገባብ ድማ ኣብ ሓደ ግዜ ንኽትከፍሎ ኣይክትግደድን ኢኻ። ኣብ ኣዋርሕ ከፋፊልካ ምኽፋል ድማ ካብ ናይ ቁጠባ ጸገም ከድሕነካ ይኽእል።

ስለምንታይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ መድሕን ኣድልየ?

⇒ ሰባት ምእንቲ ክጥንቀቁ ኣብ ኣገዳሲ ክንክናት ጥራይ ናብ ሆስፒታል ክኸዱ፣ ክንክን ክቡር ምኻኑ ንኽርድኦም ገለ ክፋል ድማ ባዕሎም ከም ዝከፍሎ ክፈልጡ፣ብኸምዚ’ዩ ድማ Eigen Risico ዝወጸ።
⇒ እቲ ናይ ክንክን ክፍሊት በቶም ክንክን ዘድሎዮም ሰባት ይኽፈል፣ እቲ ውሕስነት ዘየድልዮ ድማ ከም ዝኸፍል  ፈሊጡ ኣብ ኣዝዩ ዘልየሉ ግዜ ጥራይ ናብ ሆስፒታል ይኸይድ። በዚ ኣገጋብ ድማ ኹሉ ሰብ ናይ ውሕስነት ክንክን ይኸፍል።

ኣስተውዕል፣
ኣብ ናይ ገዛ ሓኪምካ መርመራ እንተ ጌርካ ወይ ድማ መድሃኒት እንተ ጽሒፍልካ ዳሓራይ ካብ ናይ ገንዘብ መድሕን ናትካ ትኸፍሎ ዲኻ ኣትኸፍሎን ኣረጋግጽ።ከምኡ’ውን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መድሕን ገንዘብካ ከም ዝኸፈልካ ኣረጋግጽ። ሓደ ሓደ ንዝነበረካ ናይ ዝለዓለ ውሕስነት ክንክን ኣብ ግምት ከተእትዎ ጽቡቅ’ዩ።ምኽንያቱ ተረፍ ዘለካን ክትውስኾ ዘላክን ክትፈልጥን ኣለካ፣ ካብኡ ኣመዛዚካ ትውስን።