ስቲፕ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ናይመኸን ዝርከብ ነቁጣጣት እዩ፣ከባቢ ዝበሃል ሓደ ክፋል ናይ ከተማ’ዩ። ኩሉ ነባሪ ናይመኸን ናብኡ ንኽመጽእ ክፉት’ዩ፡ስለዚ ወላ ሓደሽቲ ተቀማጦ። ኣብ ስቲፕ ወለንተኛታትን ሞያውያን ብሓባር ይሰርሑ።

ኣብ ስቲፕ ሕቶ ክትሓቱ ትኽእሉ፡ ንኣብነት፥

  • ኣነባብራ
  • ኣታዊታት
  • ዝምላእ ወረቃቅቲ
  • ኣተኣላልያን ኣተዓባብያን
  • ንጥፈታት ኮርሳትን ኣብቲ ከባቢ

ናብኡ ክትመጹ ትኽእሉ ኢኹም እንተ ደኣ፥

  • ነቲ ከባቢ ሓሳብ እንተ ኣለኩም
  • ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ እንተ ደሊኻ
  • ካልኦት ሰባት ኣብቲ ከባቢ ክትላለ እንተ ደሊኻ
  • ኣብቲ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትሕግዝ ደሊኻ

ኣስተውዕል፡ እንድሕር ደኣ ሓገዝ ክትረክብ ኬንካ ካብ ፍሉኽትሊንቨርክ (VWN) ኣቀዲምካ ምስ ናይ ውልቂ ተሓጋጋዚኻ ተዘራረብ።

ናይ ጎረቤት ዓርኪ

ንመንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ጎረቤት ዓርኪ ኣለዎም፣ሓደ ወይ ሓንቲ ጎረቤት ብዛዕባ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሓበሬታ ትህበካ፣ከምኡ’ውን ምሳኣ/ኡ ቃንቃ ነዜርላንድ ልምምድ ትገብር።

ኣበይን መዓስን ናብ ስቲፕ ክትከይድ ትኽእል?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ናይ ከተማ ስቲፕ ኣሎ፡ ኣብ ናይ ኩፉት ሰዓታት ግዜ ብዘይ ቖጸራ ክትምጽእ ትኽእል።

ኣብዚ ወብሳይት www.stipnijmegen.nl ኣበይን ምዓስ ናይ ክፉት ሰዓታት ስራሕ ክትረክብ ትኽእል።