Staatsexamen NT2

ዝሓሸ ናይ ቛንቛ ደረጃ ክትምሃሮ ደሊኻ ካብ መሰረታዊ ደረጃ A2? ንኣብነት ከምኡ ጽቡቕ ስለ ዝረኸብካዮ ወይ ድማ ናብ hbo ወይ universiteit ሞያ ክትምሃር ደሊኻ? ከምኡ እንተ ሓሲብካ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ክሳብ B1 ወይ B2 ክትቕጽሎ ዝበለጸ’ዩ። ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ክትምሃር እንተ ደሊኻ ዝበዝሕ ግዜ እዚ ደረጃ ናይ ቛንቛ የድልየካ። እዚ ደርጃ ቛንቛ ከም ዘለካ ንኸተርኢ Staatsexamen NT2 ክትገብር ትኽእል፣ እዚ ፈተና ድማ ኣብ ክንዲ ናይ inburgeringexamen ክትጥቐመሉ ትኽእል ኢኻ (ማለት ነዚ እንተ ጌርካ inbugering ምግባር ኣየድልየካን’ዩ)።

ንናይ staatsexamen NT2 ፍሉይ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል፣ ካብ ክልተ መደባት ክትመርጽ ትኽእል፣

⇒ Staatsexamen B1 (NT2 programma I): እዚ ደረጃ ናይ ቛንቛ ድማ ነቶም ኣብ mbo 3-4 ክምሃሩን ክሰርሑን ዝደልዩ ይምለት።
⇒ Staatsexamen B2 (NT2 programma II): እዚ ደረጃ ናይ ቛንቛ ድማ ነቶም ኣብ hbo ወይ universiteit ደረጃ ክምሃሩ ወይ ክሰርሑ ዝደልዩ ይምልከት።

⇒ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ inburgerenን ቛንቛን

⇒ ብዙሕ ክትፈልጥ ደሊኻ ብዛዕባ ፈተና nt2- ደርጃ?

ኣስተውዕል፣

⇒  ዝበዝሕ ግዜ ፈተና ትገብር ኢኻ፣ እታ ቤት-ትምህርቲ ድማ እቲ ደረጃ ምሳኻ ይሰማማዕ እንተ ኾይኑ ትዕዘብ።
⇒  ወላ ውን NT2-programma እንዳ ተመሃርካ፣ KNM, ONA ክትምሃር ኣለካ። ነዚ ፈተና ኣብ ምግባር ድማ ክሳብ መወዳእታ ክትጽንበ ኣለካ፣ ምኽንያቱ ናይ DUO ለቓሕ መታን ክትጥቐመሉ።
⇒ ሞያ ክትምሃር ደሊኻ? ነቲ ክትምሃሮ ደሊኻ ዘለኻ ሞያ፣ ኣየናይ ቕጥዒ ናይ ቛንቛ የድለየካ ኣቀዲምካ ክትፈልጥ ኣለካ፣ ብኸምዚ ድማ ምሳ ናትካ ዝሰማማዕ ናይ ቛንቛ ደርጃ ትመርጽ።

ክትምሃር መደብ ኣለካ? ኣብዚ ኣንብብ ኣየናይ ናይ ቛንቛ ቕጥዒ ከተማልእ ኣለካ ቕድሚ ሞያ ምጅማርካ ኣብ ኔዘርላንድ። [Interne link naar Studeren | Taaleisen voorbereiding]